ሓገዛ ኣምቡላንሳት ንትግራይ፤ ተስፋ ኣብቲ ሰፊሕ ጠለብ
Your browser doesn’t support HTML5
ዓለምለኸ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ምስ ናይ ኢትዮጵያ ጨንፈር ብምትሕብባር 10 ኣምቡላንሳት ንኽልል ትግራይ ወፊዩ። ኣብቲ ሎሚ ኣብ መቐለ ዝተኻየደ ናይ ምርኽኻብ ስነ-ስርዓት ዝተረኽቡ ዝምልከቶም ሰበ-ስልጣናት፡ እቶም ኣምቡላንሳት ነቲ ኣዝዩ ተሃስዩ ዘሎ ጽላት ጥዕና ኣብ ምቅላል ተስፋ ከም ዘለዎን ገሊጾም። ነቲ ዘሎ መጠን ጋግ ዝበቅዕ ተወሳኺ ኣምቡላሳት ክልኣኻ’ውን ተላብዮም።