ሓረስቶት ክልል ትግራይ ብምኽንያት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ፍርያቶም ናብ ዕዳጋ ከቕርቡ ብዘይምኻኣሉ ይገልጹ

ፋይል

ኣብ ክልል ትግራይ ብምኽንያት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፡ ሓረስቶት ፍርያቶም ናብ ዕዳጋ ከቕርቡ ብዘይምኻኣሉን ይፅገሙ ከምዘለዉ ይገልጹ`ለዉ::

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ንድምጺ ኣሜሪካ ርእይቶ ዝሃቡ ኣብ ልምዓት መስኖ ዝተዋፈሩ ሓረስቶት ፍርያቶም፡ ብምኽንያት ንምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ዝወፀ ኣዋጅ ናብ ዕዳጋ ከቕርቡ ብዘይምኽኣሎም ምህርቶም ተበላሽዩ ኣብ ግራቶም ከምዝተረፈ ገሊፆም::

ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ክልል ትግራይ ብወገኑ ሓረስቶት ዘፍረይዎ ናብ ዕዳጋ ብሕብረት ስራሕ ማሕበራትን ሕጋውያን ነጋዶን ኣቢሉ ክቐርብ ይስራሕ ኣሎ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

Your browser doesn’t support HTML5

ሓረስቶት ክልል ትግራይ ብምኽንያት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ፍርያቶም ናብ ዕዳጋ ከቕርቡ ብዘይምኻኣሉ ይገልጹ