ልዑል ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ንናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ናብ በይጂንግ ቻይና ኣትዮም

Your browser doesn’t support HTML5

ልዑል ስዑዲ ዓረብ መሃመድ ቢን ሳልማን ንናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ቤጂንግ ኣትዮም

ልዑል ስዑዲ ዓረብ መሃመድ ቢን ሳልማን ከም አካል’ቲ ኣብ ኤስያ ዘካይድዎ ዘሎ ዑደት ንናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ሎሚ ሓሙስ ቻይና ኣትዮም ኣለው።

ዕላማ’ቲ ዑደት ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ቅትለት ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ካሾጊ ብዝተሓሓዝ ንምስሊ’ታ ሃገር ንምቅያርን ቁጠባዊ ዝምድና ንምሕያል ምኳኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ይኹን ደአ እምበር ዝሓሸ ዝምድና ቻይናን ስዑዲ ዓረብን ገለ ፖለቲካዊ ዕንቅፋታት የጋጥሞ’ሎ። ምክንያቱ ቻይና ንናይ ፖለቲካ መቐናቕንቲ ስዑዲ ዓረብ ዝኾነት ኢራን ዑደት ልዑል ሳልማን ንዝምድና ቻይናን ማእከላይ ምብራቕን ዝጸልው ከምዘይኾነ ክትሕብር ጸኒሓ’ላ።

ፕረዚደንት ቻይና ዥን ፔንግ ኣብ ቻይና ምብጻሕ ንዘካየዱ ዘለው ወሃቢ ቃል ፓርላማ ኢራን እቲ ምስ ኢራን ዝጀመርዎ አጋርነት ብዑደት ልዑል ሳልማን ከምዘይቕየር አረጋጊጽም ኣለው።

ስዑዲ ዓረብን ኢራንን ጽልወኣን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንምንጽብራቕ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ወጥሪ ምጽንሐን ይፍለጥ።