ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ጎንደር ኹናት ይካየድ ኣሎ ይብል አርበኞች ግንቦት 7፣ ክልል ኣምሓራ ግና ነጺግዎ

አርበኞች ግንቦት 7

ኢሳት ናይ ሳተላይት ቴሌቭዥን ኣብ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ፈነውኡ ሻለቃ መሳፍንቲ ጥጋቡ ዝተባህለ ላዕለዋይ ወታሃደራዊ አዛዚ ግንቦት 7 ኣብ ሰሜን ጎንደር ኣብ ዝተኻየደ ኹናት ብሓይልታት መንግስቲ ምስ ተኸበቡ ንዘይምምራኽ ህይወቶም ባዕሎም ኣሕሊፎም ክብል ጸብጺቡ።

እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ዕጡቓት አርበኞች ግንቦት 7 ብሻለቃ መሳፍንቲ ተመሪሖም ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ አትዮም አብ አርማጭሆ ኩናት ኣብ ዝገጠምሉ ብኸቢድ ብረት ለበስ አጽዋር መጥቓዕቲ ተኸፊትዎም ይብል።

ሻለቓ መሳፍንቲ ጥጋቡ ካብ ሰራዊቲ ኢህወዲግ ኮብሊሎም ኣብ ኣውሮጳ ይነብሩ ከምዝነበሩን ድሒሮም ናብ አርበኞች ግንቦት 7 ተሓዊሶም ከምዝነበሩ’ውን ይገልጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ሻለቃ መሳፍንቲ ጥጋቡ ኣብ ኹናት’ዩ ተቐቲሉ ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ጎንደር ኹናት ይኻየድ ኣሎ ክብል አርበኞች ግንቦት 7 ገሊጹ