ፕረ.ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሜክሲኮን ካናዳን ሓድሽ ናይ 25% ቐረጽ ኣንቢሮም

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ፕረዚደንት ትራምፕ ካብ ክልተ ዝዓበያ መሻርኽቲ ንግዲ ሜክሲኮን ካናዳን ንዝኣትው ኣቑሑት ሓድሽ ናይ 25 ሚእታዊት ቐረፅ ሎሚ ሰሉስ ኣንቢሮም። እዚ ዝኸውን ዘሎ እተን ጎረባብቲ ሃገራት ከምቲ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝሓተትዎ ዘይሕጋዊ ስደትን ዘይግቡእ መደንዘዚ ዕጽን ናብ ኣመሪካ ንኸይውሕዝ ከም ዝገትእ ንዝሕብር መርትዖ ዕሽሽ ብምባል ኢዩ።