ንምብርባር ቍጠባ ድሕረ-ኲናት ትግራይ ዝዓለመ ዋዕላ ተኻዪዱ
Your browser doesn’t support HTML5
ብዂናት ንዝዓነወ ቍጠባን ወፍሪን ክልል ትግራይ ንምድህሳስ ዝዓለመ ዋዕላ ሎሚ ሰሉስ 20 ሰነ 2023 ኣብ መቐለ ተኻዪዱ።
ኣብቲ መራሕቲ ክልል፡ ኣውፈርቲን ካብ ፈደራል መንግስቲን ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ ምክትል ሚንስተር ሰላም ኣይተ ታዬ ደንደአ ብወገኖም ኣብቲ ዓውዲ ንምሕጋዝ ዘለዎም ቅሩብነት ገሊጾም።