ኣብ ክልል ትግራይ ንዝተራእየ ጥምየት ሳዕቤኑ ከቢድ ክኸውን ከምዝኽእል ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣጠንቂቖም

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ክልል ትግራይ ንዝተራእየ ጥምየት ሳዕቤኑ ከቢድ ክኸውን ከምዝኽእል ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣጠንቂቖም

ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጠረ ጥምየት ጠምተ ተዋሂቡ እተዘይተሰሪሕሉ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑፀሩ ሰባት ህይወቶም ክሓልፍ ከምዝኽእል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

ኣብ 52 ጣብያታት እቲ ክልል ብጥምየት ሰባት ከምዝሞቱ ዝገለፀ ድማ ኮምሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ትግራይ እዩ።

እቲ ዝተፈጠረ ጥምየት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝልዓለ ጉድኣት ንከይበፅሕ ኣብ ምክልኽል ዝነጥፍ ክልላዊ ኮሚተ ንምጥያሽ ሎሚ ሰሉስ 5 ታሕሳስ 2023 ዘተ ተኻይዱ'ሎ።