ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣማኸርትን ሓላፊ ሕሳብ ቫቲካን ዝኾኑ ኣቡን ጆርጅ ፐል: ፖሊስ ኣውስትራልያ ኣብ ልዕሊኦም ድሕሪ ዝመስረቶ ክሲ ጾታዊ ዓመጽ ካብ ስርሖም ዕረፍቲ ወሲዶም ነቲ ክሲ ከምዘይወዓልዎ ክምጉቱ ናብ ኣውስትራልያ ከምርሑ ምዃኖም ተፈሊጡ።
ዋሽንግተን —
ኣቡን ጆርጅ ፐል ኣብ ቫቲካን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ: ነቲ ክሲ ከምዘይወዓልዎን እዚ ድማ ብዘይምስልካይ ኣብ ማዕከናት ዜና ዝካየድ ዘሎ ጸለመ መንነት ምዃኑ ብምጥቃስ: ናብ ኣውስትራልያ ተመሊሶም ኣብ ልዕሊኦም ንዝተመሰረተ ክሲ ክምጒቱ ምዃኖም ብተወሳኺ ገሊጾም።
Your browser doesn’t support HTML5
ላዕለዋይ ኣማኻሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ክሲ ጾታዊ ዓመጽ ተመስሪትዎም
ወሃቢ ቃል ቫቲካን ግረግ በርክ ብወገኑ: ርእሰ ሊቃነ ጳጳስ ካቶሊካዊ ቤተ ክርስትያን ጳጳስ ፍራንሲስ: በዚ ዜና ዝተሰምዖም ሓዘን ብምግላጽ ንኣቡን ፐለ ነብሶም ክከላኸሉ ፍቓድ ከምዝሃቡዎም ሓቢሩ።
ፖሊስ ኣውስትራልያዊት ግዝኣት ቪክቶርያ: ንኣቡን ፐለ ብኽሲ ጉዳይ ጾታዊ ዓመጽ መጸዋዕታ ድሕሪ ምቕራቡ፥ ኣቡነ ፐለ ዝመጽእ ወርሒ ናብ ኣውስትራልያ ከምርሑ ምዃኖም ተገሊጹ ኣሎ።