ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ንምግታእ ኢጣልያ ምስ ሰበ ስልጣን ሊብያ ምትሕግጋዝ ካብ ትጅመር ዝበዝሓ ሰባት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓንሉ ክስተት ምኳኑ ዝተገልጸ እዚ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ዝደሓኑ 600 ስደተኛታት ኢጣልያ ኣትዮም።
መብዛሕትኦም ካብ ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ምኳኖም ዝተገልጸ እዞም ስደተኛታት ትሕተ ዕድመ ህጻናት ዝርኸብዎም ምኳኑ’ውን ተሓቢሩ’ሎ።
Your browser doesn’t support HTML5
ኣስታት 600 ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ኢጣልያ ኣትዮም
እዞም ስደተኛታት ድሕሪ እቲ ንዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ከባቢ ከተማ ሳባርታ ሊብያ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ሚሊሻ እታ ሃገር ክኻየድ ዝጸንሓ ግጭት ዝደሓኑ ኮይኖም እቲ ግጭት ንብዙሓት ስደተኛታት ምዝንባሉ ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናይ ህይወት ኣድሕን ስርሒት ዘካይድ ትካል ኤስኦኤስ ሚደተራንያ ፕረዝደንት ቫለርያ ካላንደራ እቲ ኣብ ሊብያ ዝረአ ዘሎ ዘይምርግጋእ ንቁጽሪ እቶም ንማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ናብ ኣውሮጳ ዝጉዓዙ ቁጽሪ ስደተኛታት ምውሳኹ ይገልጹ።
ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ብወገኑ እቲ ኣብ ከባቢ ከተማ ሳባርታ ዝተራእየ ግጭት ንኣስታት 3000 ስደተኛታት ኣብ መንጎ ምቕርቓሮም ካልኦት 10,000 ድማ ምዝንባሎምን ህጹጽ ሓገዝ ከምዝደልዮም ሓቢሩ’ሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ መዳጎኒ ስደተኛታት ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ከም ዝርኸቡ ይግለጽ ኣሎ።
እዞም ናብ ኣውሮጳ ንምጉዓዝ ኣብ ሊብያ ዝተታሕዙ ስደተኛታት እኹል ቦታ፡ መግብን ኣገልግሎት ንጽህና ኣብ ዘይረኽብሉ መዳጎኒ ማእከላት ከምዝርኸቡ እስካይ ኒውስ ዝተባህለ መሓውር ዜና ኣብ ዘዳለዎ ፉሉይ ጸብጻብ ይሕብር።