ካብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ናብ ኒጀር ግዒዞም ዝጸንሑ 25 ስደተኛታት ናብ ፈረንሳ ምጥያሶም ተገሊጹ

Your browser doesn’t support HTML5

ካብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ናብ ኒጀር ግዒዞም ዝጸንሑ 25 ስደተኛታት ናብ ፈረንሳ ምጥያሶም ተገሊጹ

ካብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ናብ ኒጀር ግዒዞም ዝጸንሑ 25 ስደተኛታት ሶሉስ ታሕሳስ 19 ናብ ፈረንሳ ምጥያሶም ተገሊጹ።

ዝበዝሑ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናት ዝኾኑ ስደተኛታት ዝሓለፈ ወርሒ ብመንገዲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ካብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ናብ ኒጀር ምግዓዞም ይፍለጥ።

እቶም ስደተኛታት ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ኣልሳክ ፈረንሳ ዝርከብ መዕቖቢ ከምዝጸንሑን ናይ ቋንቋን ምስቲ ማሕበረሰብ ክተሓናፈጹ ዝሕግዝ ትምህርቲ ከምዝወሃቦም ተገሊጹ’ሎ።

እዞም ናብ ፈረንሳ ዝተጣየሱ 25 ስደተኛታት አካል እቲ ብናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ዝካየድ ዘሎ ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ኣብ ተአፋፊ ኩነታት ዝርከቡ ንምጥያስ ዝዓለመ መደብ ምካኑን ናይ መጀመርያ ስጉምቲ ምኳኑ ተሓቢሩ’ሎ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ዝርከቡ ሰባት ንምጥያስ 1,300 ቦታታት ዝረቑሓ ኮይኑ፡ ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ትካል ኣብ ሊብያ ኣስታት 550,000 ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ዝርከቡ ሰባት ከምዘለው ካብዚኦም 200,000 ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ክኾኑ ኸለው 44,000 ድማ ኣብቲ ትካል ዝተመዝገቡ ስደተኛታት እዮም።