አካለ ጉዱኣት ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም

Your browser doesn’t support HTML5

አካለ ጉዱኣት ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም

አካለ ጉዱኣት ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ሎሚ ሰሉስ 'ጠሚና' ብምባል ኣብ ከተማ መቐለ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም።

እዞም አካለ ጉዱኣት ተዋጋእቲ ነበር እቲ ሰልፊ ካብ ምብራቓዊ ኣንፈት ከተማ መቐለ ኲሓ መለስ ካምፓስ ካብ ዝበሃል ከባቢ ተበጊሶም ክሳብ ቤትፅሕፈት ምምሕዳር እቲ ክልል ልዕሊ 15 ኪሎሜትር ብእግሪ ተጓዒዞም ድምፆም ኣስሚዖም።

ሕፁይ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ "ብጅግንነት ኣካሎም ዝጎደሉ፡ መግቢ ስኢና ኢሎም ሰልፊ ክወጹ ክትርኢ ዘሕዝን`ዩ ነዚ ድማ ይቕሬታ ንሓትት ድሕሪ ምባል፣ ሕቶታኹም ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ክንፈትሖ ኢና" ክብል ተዛሪቡ።