ኬንያውያን ንመጻኢ ስጒሚ መስርሕ ሃገራዊ ምርጫ'ታ ሃገር ይጽበዩ

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኬንያዊያን ኣብ ጎደናታት ናይሮቢን ኪስምዩን ሎሚ ረቡዕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አካይዶም።

መራሒ ተቓውሞ ፓርቲ ራይላ ኦዲንጋ ኣብቲ ጥቅምቲ 28 ዝካየድ ዳግማይ ፕረዝደንታዊ ምርጫ እታ ሃገር ከምዘይሳተፉ ትማሊ ድሕሪ ምፍላጦም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት እታ ሃገር ናብ ጎደናታት ናይሮቢን ኪስምዩን ብምውጻእ ሎሚ ረቡዕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አካይዶም።

Your browser doesn’t support HTML5

ኬንያዊያን ንዝመጽእ ስጉምቲ ዳግማይ ሃገራዊ ምርጫ ይጽበዩ

ራይላ ኦዲንጋ ምስ ፓርቲኦም ሃገራዊ ሕብረት ብምኳን ንሶም ካብቲ ፕረዝደንታዊ ምርጫ እንተወጺኦም ብመሰረት ውሳኔ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ነቲ ምውሃብ ድምጺ ክስርዝን ሓደሽቲ ተወዳደርቲ ክርቑሑ ይእዝዝ፡ እዚ ድማ ቅድሚ እቲ ምርጫ ምክያዱ ቅድሚ 90 መዓልታት ክካየድ አለው ዝብል እዩ።

ስለ ዝኾነ ጥቕምቲ 26 ክካየድ ዝተወጠነ ሃገራዊ ምርጫ ኬንያ ክኻየድ ድዩ ዝብል ሕቶ ምልዓሉ ይግለጽ ኣሎ።