ኣብ ርእሰ-ከተማ ሃይቲ ኣስታት 200 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሕ/ሃገራት ኣፍሊጡ

ፋይል - 19 ሕዳር 2024.

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ቮልከር ተርክ ኣብ ከተማ ፖርት ኣው-ፕሪንስ ብዝቐጸለ ናይ ጭፍራ ዓዋሉ ህውከት ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ጥራሕ 184 ሰባት ተቐቲሎም ኢሉ።

እዚ ዳሕራዋይ ቁጽሪ ነቲ ኣብዚ ዓመት`ዚ ዝተፈጸመ ቅትለት ናብ 5,000 ኣደይብዎ `ሎ። እዚ ዳሕራዋይ ጎንጺ በቲ ሓያል ዝብሃል መራሒ ጭፍራ ዓዋሉ ዝተመርሐ ምንባሩ`ውን ጸብጻብ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ጠቒሱ`ሎ።

ኩነታት ሀይቲ እናሓመቐ ዝኸደ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ ፖርት ኣው ፕሪንስ ንቀዳማይ ሚንስተር ኣሪየል ሀንሪ ንምዕላው ዝተወሃሃደ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም`ዩ።

ብሕቡራት ሃገራትን ኣመሪካ ዝድገፍ ሓይሊ ፖሊስ ኬንያ ኣብታ ሃገር እንተሃለወ`ኳ እቲ ጎንጺ እናዓረገ`ዩ ዝኸይድ ዘሎ። እቶም ጭፍራ ዓዋሉ ሕጂ 80 ሚእታዊት እታ ከተማ ከም ዝቆጻጸሩ ይንገር።