ኣስመራ —
ኣብ ሕርጊጎ ተተኺሉ ዘሎ ናይ 44 ሜጋ ዋት ተወሳኺ ፕሮጀክት መመንጨዊ ጸዓት ፡ኪኖ'ቲ ነቲ ዘጋጥም ዝነበረ ጸገማት ምፍታሕ፡ ኤሌትሪክ ንዘይረኸቡ ቦታታት ዕድል ዝኸፍት ከምዝኾነ፡ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኮርፖረሽን ኤለክትሪክሲቲ ኤርትራ ኢንጂነር ኣብርሃም ወ/ሚካአል ሓቢሩ።
"እቲ በብግዚኡ ዘጋጥም ዝነበረ ምቁራጽ ሓይሊ ኤለክትሪክ ብሰንኪ ምስኣን አኹል መለዋወጢ ኣቑሑን ዋሕዲ
ጀነረተራትን እዩ" ዝበሉ ኢንጂነር ኣብርሃም ተገልገልቲ ብግዲኦም፡ዝነበሮም ጸገም ኤለክትሪክሲቲ ብምፍትሑ፡ዘቤታውን ንግዳውን ዕዮኦም ብዘይ ጻገም ከሰላስሉ ከምዝከኣሉ ተዛሪቦም።
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ ሕርጊጎ ዝተተኽለ ፕሮጀክት መመንጨዊ ጸዓት ንዝነበረ ጸገማት ዝፈትሕ’ዩ ክብሉ አካያዲ ስራሕ’ቲ ፕሮጀክት ሓቢሮም