ዋሽንግተን —
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከባ ዩኒቨርሲታት ዝርከቡ ተወላዶ ኦሮሞ፡ ካብ ሰኑይ ጀሚሮም ትምህርቲ ኣቋሪጾም ከምዘለዉ ተገሊጹ። እቶም ተማሃሮ ናይ መግቢ ምሕሳም ተቓውሞ ምኽያዶም'ውን ይግለጽ ኣሎ።
ሓደ ነባሪ ካብ ከተማ ጉደር ንቪኦኤ አብ ዝሃቦ ቃል፡ 'ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲን ካልኣይ ደረጃን ተወሃሂዶም ሰልፊ ወጺኦም፡ ማስተር ፕላን ኣይንቕበልን፡ ኣብ ሃገርና ናይ ምንባርን ምዝራብን መሰል ኣለና ዝብል ጭርሖታት የስምዑ ኔሮም'ኢሉ`ሎ።
ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ ከተማታት ኦሮሚያ ዝካየድ ዘሎ ናይ ተመሃሮ ሰልፍታት ተቓውሞ ቀጺሉ ውዒሉ