ናብ ጎንጺ ዝደፍአ ፈስቲቫል ኤርትራ እንታይ’ዩ? ብዓይኒ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኤርትራ ነበር

Your browser doesn’t support HTML5

ናብ ጎንጺ ዝደፍአ ፈስቲቫል ኤርትራ እንታይ’ዩ? ብዓይኒ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኤርትራ ነበር

ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ዓለም ዝሰሓበ፡ ኣከራኻሪ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ኣብ ጊሰን ጀርመን ተኻዪዱ ነይሩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ካብቶም ነቲ ፈስቲቫል ዝቃወሙ ወገናት ብዝተደርበየ እምኒን ጠራሙስን 26 ኣባላት ፖሊስ ጀርመን ቆሲሎም’ዮም። ንምዃኑ ንኸምዚ ዝመስል ቍጠዐ ዝወለደ እንታይ’ዩ? እዚ ዝመስል ጎነጽ’ከ ኣብ ቀጻሊ ኣብተን ኣአንገድቲ ሃገራት እንታይ ናይ ቀረባን ርሑቕን ሳዕቤናት ክህሉዎ ይኽእል? ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኤርትራ ዳኛ ናይ መጨረሽታ ይግባይ ሰማዒ ኰይኑ ነዊሕ ዘገልገለን ሕጂ ድማ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብን ሃብተኣብ የማነ ኣዘራሪብናዮ ኣለና።