ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝተአኻኸቡ ኤርትራዊያን ሎሚ ኣብ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኔውዮርክ ሰልፊ ኣካይዶም።
ዋሽንግተን —
ዕላማ እቲ ሰልፊ ንሪፖርት ናይ ሕቡራት ሃገራት መርማሪ ኮሚሽን ንጉዳይ ሰብአዊ መሰላት ኤርትራ ደገፎም ንምግላጽ እዩ።
ሰልፊ ኤርትራዊያን ኣብ ኔውዮርክ
አዳለውቲ እቲ ሰልፊ እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ መርማሪ ኮሚሽን ጉዳይ ሰብአዊ ጉዳያት ኤርትራ ቅድሚ ሕጂ ንዘቕረቦ ጸብጻብ ምግሃስ ሰብአዊ መሰላት ብመርትዖ ደጊፉ ኣብ ዘቕርበሉ ዘሎ እዋን ደገፎም ንምግላጽ ነቲ ሰልፊ ምኽያዶም ሓቢሮም ኣለው።
እቶም ሰልፈኛታት ብተወሳኺ በኣሽሓት ዝቁጸር ፊርማታት አኺቦም ንዋና ጸሓፊ ባን ኪ ሙን ምቕራቦም ተሓቢሩ’ሎ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።
Your browser doesn’t support HTML5
ካብ ኣውሮጳን ዝተፈላለዩ ክፍለ-ግዝኣታት ኣሜሪካ ዝተአኻኸቡ ኤርትራዊያን ኣብ ኒውዮርክ ሰልፊ አኻይዶም