ዋሽንግተን —
እስራኤል ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚራ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ካብ ሃገራ ክወጹ ኣለዎም ንዝበለቶም ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ናይ መጸዋዕታ ወረቐት ትህብ አላ። ብመሰረት ሓበሬታ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ኣብዚ ዝተዋህበ ናይ ጊዜ ገደብ ዘይወጹ ማእሰርቲ ከምዝገጥሞም ይገልጹ።
ቀዳማይ ሚንስትር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ኣብ ሃገሮም ንዘለው ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተው እዮም ዝበልዎም ኣስታት 38,000 ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ናይ ምጥያስ መደብ ብወግዒ ኣፍሊጦም።
Your browser doesn’t support HTML5
ሰልፊ ኤርትራዊያን ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ሩዋንዳ ኣብ እስራኤል
ኣብዚ ሕጂ እዋን መጸዋዕታ ወረቐት ዝወሃቦም ዘሎ ናይ ዑቕባ መስርሖም ዝተነጽጉ ወይ ዑቕባ ዘይሓተቱ ሰብ ሓዳር ደቂ ተባዕትዮ ምኳኑ ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ድማ ነዚ ውሳነ ብምቕዋም ትማሊ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ሩዋንዳ ሰላማዊ ሰልፊ አካይዶም።