መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ መሓውራት ዜና ናይ ቁጽጽር ኢዱ ኣብ ዘኽበደሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝአሰሮም ጋዜጠኛታት ብህጹጽ ክፍትሑ ዓለምለኸ ተሓላቒ መሰል ጋዜጠኛታት (ሲፒጄይ) ሎሚ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።
ዋሽንግተን —
ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ሓደ አሰናዳኢ ጋዜጣን ክልተ ጸሓፍቲ ዓምዲ ኢንተርነት ዞን 9 አሲሮም ኣለው።
ራብዓይ ጋዜጠኛ ዝሓለፈ ሰሙን አበይ ከምዝኣተወ ኣይፍለጥን። ቤተሰቡ ብፖሊስ ተታሒዙ ኽኸውን ከምዝኽእል ዘለዎም ስግኣት ይገልጹ።
መግለጺ እታ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ መራኸቢ ብዙሓት ሓያል ቁጽጽር ይግበር ኣሎ እዚ ኸአ ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ዝተላዕለ ህውከት ብዙሓት ምስ ተአሰሩ መንግስቲ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ዝአወጀሉ‘ዩ ጊዜ እዩ ይብል።
ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።
Your browser doesn’t support HTML5
መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝአሰሮም ጋዜጠኛታት ብህጹጽ ክፍትሑ ዓለምለኸ ተሓላቒ መሰል ጋዜጠኛታት መጸዋዕታ ኣቕሪቡ