ናይ ናይጀርያ ፕረዝደንት መሓመዱ ቡሃሪ ምስተን ብዕጡቓት ጉጅለ ግብረ ሽበራ ቦኮ ሓራም ተጨውየን ዝነበራ 82 ኣዋልድ ቺቦክ ተራኺቦም ተዘራሪቦም።
ዋሽንግተን —
እዘን 82 ኣዋልድ ቺቦክ ካብ መንጎ’ተን ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ካብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ ቦርኖ ክፍለ ግዝኣት ካብ ቤት ትምህርቲ ቺቦክ ዝተጨወየ 276 ኣዋልድ እየን።
ፕረዝደንት ቡሃሪ ምስዘን ዝተለቐቃ አዋልድ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዋና ከተማ ናይጀርያ አቡጃ ተራኺቦም ምዝርራቦም ተፈሊጡ’ሎ።
እተን አዋልድ ድሕሪ ነዊሕ ሽምግልና ኣብ መንጎ መንግስትን ጉጅለ ቦኮ ሓራምን፡ ብምልውዋጥ እሱራት ዝተለቐቃ ክኾና ከለዋ ፕረዝደንት ቡሃሪ ንሕክምና ናብ ሎንደን ተወጢኑ ዝነበረ መገሽኦም አመሓላሊፎም ትማሊ ነተን አዋልድ ከምዘዘራረቡ’ውን ተሓቢሩ’ሎ።
Your browser doesn’t support HTML5
ናይጀርያ፡ 82 ብጉጅለ ቦኮ ሓራም ተጨውየን ዝነበራ አዋልድ ቺቦክ ነጻ ምልቃቀን ተሓቢሩ