ድሕሪ ዓበይቲ ፕሮጀክትታን ልቓሕን ተበግሶ ቅናት መንገዲ ቻይና ዝልወጥ ዘሎ ይመስል

Your browser doesn’t support HTML5

ድሕሪ ዓበይቲ ፕሮጀክትታን ልቓሕን ተበግሶ ቅናት መንገዲ ቻይና ዝልወጥ ዘሎ ይመስል

ንኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ክሰርሕ ዝጸንሐ ዓበይቲ ፕሮጀክትታን ተበግሶ ቅናት መንገዲ ቻይና ኣብ ምሕያል ንግዲዓብይ ኣበርክቶ እንተገብረ'ውን ኣብ ከባብያዊ ጉዳያትን ዝገድፎ ዝነበረ ልቓሕን ግን ስክፍታ ኔሩ፥ ይኹን ደኣ እምበር ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ስክፍታ ክፈጥር ዝጸንሓ ልቓሕን ከባብያዊ ስክፍታን ዝልወጥ ዘሎ ይመስል።እዚ ለውጢ መራሕቲ ሃገራት ንኣኼባ'ቲ ተበግሶ ቤይጂንግ ዝርከብሉ ዘሎ እዋን'ዩ ዝግለጽ ዘሎ፥ እዚ ተበግሶ መንገዲንመገዲ ባቡራትን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዓለም ሰሪሑ እዩ።እዚ ድማ ቻይና ምስ ኣፍሪቃ: ደቡብ ኣመሪካ: ኤስያን ማእከላይ ምብራቕን ዘለዋ ዝምድና ኣሓይሉ'ዩ።እዚ ተበግሶ ሓደ ካብቲ ፕረ.ዢ ጂፒንግ ሃገሮም ኣብ ዓለምለኸ መዳያት ዘለዋ ተሳትፎ ንምዕዛዝ ዘካይድዎ ተበግሶ'ዩ።