ዋሽንግተን —
ኣብ ኢትዮጵያ ሓድሽ ኣቦ መንበር ኢህወዴግ ኮይኖም ዝተመረጹን ሶኑይ ቀዳማይ ሚንስትር ኮይኖም ቃለ መሓላ ዝፍጽሙ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብታ ሃገር ሱር ንዝሰደደ ቅልውላው ሰብኣዊ መሰላት ንምፍታሕ ቀዳምነት ክህቡ ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ።
ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ንቅልውላው ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ንምፍታሕ ጭቡጥን ሓቐኛን ስጉምቲታት ብህጹጽ ክውሰድ አለዎም ክብል ዋና ጸሓፊ አምንስቲ ኢንተርናሽናል ሳሰል ሸቲ ተላብዮም።
Your browser doesn’t support HTML5
ሓድሽ ዝተመርጹ ኣቦ መንበር ኢህወዴግ ንቅልውላው ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ቀዳምነት ክህቡ ኣምንስቲ ጸዊዑ