ኣብ ፓኪስታን ኣብ መኪና ዝተጻወደ ቦምብ ብምትኳሱ ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ፓኪስታን ኣብ መኪና ዝተጻወደ ቦምብ ብምትኳሱ ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም

ኣብ ፓኪስታን ኣብ ናይ ፖሊስ መኪና ብዝተጻወደ ቦምብ አባላት ፖሊስ ዝርኸብዎም ሽዱሽተ ሰባት ምሟቶም ፖሊስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ካብ ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ ብዝተረኽበ ሓበሬታ ካልኦት 20 ሰባት በቲ መጥቓዕቲ ምቁሳሎም ሓቢሮም ኣለው።

እቲ መጥቓዕቲ አባላት ፖሊስ ናብ ስራሕ ኣብ ዝወፍርሉ ጊዜ ዘጋጠመ ምኳኑ’ውን ተገሊጹ’ሎ።

ሓላፍነት እቲ መጥቓዕቲ ዝወሰደ አካል እንተዘየለ’ኳ ዓሌት ሽዒት ዝኾኑ ኣባላት ጸጥታ ሓሓሊፉ ካብ ዕጡቓት መጥቓዕቲ ከጋጥሞም ምጽንሑ ይፍለጥ።