ወራር ኣንበጣ ናብ 17 ወረዳታት ክልል ትግራይ ይዝርጋሕ

Your browser doesn’t support HTML5

ወራር ኣንበጣ ናብ 17 ወረዳታት ክልል ትግራይ ይዝርጋሕ

“ኣብ ግዜና እቲ ዝኸፍአ” ተባሂሉ ብፕረዚደንት ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝተገለጸ ዕስለ ኣንበጣ፡ ዛጊት ናብ 17 ወረዳታት ኣስፋሕፊሑ ከም ዘሎ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን እቲ ክልል ገሊፁ። ቤት ፅሕፈት ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ሓገዛት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ኣብቲ ክልል ዝተፈጠረ ዕስለ ኣንበጣ ብኣማኢት ኣሸሓት ዝቑፀሩ ሓረስቶት እቲ ክልል ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ ክብል ኣፍሊጡ።

እቲ ክልል ንመኸተ እዚ ወራር፡ ከምኡ’ውን ዝርጋሐኡ ናብ ጎረባብቲ ክልላትን ካልእ ምስኡ ዝተኣሳሰር ጉዳያትን ኣመልኪቱ ዝተዳለወ ሓጺር ጸብጻብ’ዩ።