ወራር ኣንበጣ ናብ 17 ወረዳታት ክልል ትግራይ ይዝርጋሕ
Your browser doesn’t support HTML5
“ኣብ ግዜና እቲ ዝኸፍአ” ተባሂሉ ብፕረዚደንት ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝተገለጸ ዕስለ ኣንበጣ፡ ዛጊት ናብ 17 ወረዳታት ኣስፋሕፊሑ ከም ዘሎ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን እቲ ክልል ገሊፁ። ቤት ፅሕፈት ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ሓገዛት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ኣብቲ ክልል ዝተፈጠረ ዕስለ ኣንበጣ ብኣማኢት ኣሸሓት ዝቑፀሩ ሓረስቶት እቲ ክልል ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ ክብል ኣፍሊጡ።