መቐለ —
" ፌደራል መንግስቲ ምስ ሓይልታት ወፃኢ ብምኳን ውዲት ብምፍሓስ ሰላም ክልል ትግራይ ንምህዋክ ይሰርሕ ኣሎ" ክብሉ ኣቦ መንበር ህወሓትን ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ተዛሪቦም::
ዶክተር ደብረፅዮን እዚ ዝበሉ ምስረታ ህወሓት መበል 45 ዓመት 11 ለካቲት ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተኸበረሉ እዋን እዩ::
ኣብዚ ሐዚ እዋን ብማዕርነት ዝተመስረተ ሓድነት ክህሉ ይግባእ እተዘይኮይኑ ግና ህዝቢ ክልል ትግራይ ተቓሊሱ ዘምፀኦ መሰሉ ኣብ ኢዱ እዩ ዘሎ ኢሎም::
እዚ ክሲ ፌደራል መንግስቲ አይተቐበሎን:: መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰላም ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝሰርሕ እምበር ንሰላም ክልል ትግራይ ይዘርግ እዩ ዝተባህለ መሰረት ዘይብሉ እዩ ኢሉ::
ኣብዚ ፍሉይ ፀብፃብ እዚ ሪኢቶታት ነበርቲ ከተማ መቐለ ንብዓል 11 ለካቲት እውን ሂቦም ኣለው።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።