ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈፃሚ ስራሕ ህወሓት ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ዝተመደበሉ ጊዜ እንተዘይተኻይዱ ብደረጃ ክልል ምርጫ ከምዘካይድ ኣፍሊጡ


ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ህወሓት ሃገራዊ ምርጫ ኣብ እዋኑ ዘይካየድ እንተኾይኑ ኣብ ክልል ትግራይ ምርጫ ንክካየድ ምድላዋት ክግበሩ ውሳነ ኣሕሊፉ:: እቲ ኮሚቴ ነዚ ዝወሰነ ካብ 23 ክሳብ 25 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም ዘካየዶ ኣኼባ ስዒቡ ዘውፀኦ መግለፂ ከምዝሕብሮ ሃገር ካብ ፀገም ንምውፃእ ብምባል ሃገራዊ መድረኽ ክዳለው ፀዊዑ::

ኣብቲ ጉዳይ ውድብ ብልፅግና ኣብ ዝሃቦ መልሲ ምርጫ ብደረጃ ክልል ምክያድ ዘይሕገመንግስታዊ እዩ ኢሉ:: ምርጫ ቦርድ ብወገኑ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኾነ ከባቢ ዝካየድ ምርጫ ናይ ምምራሕን ምፍፃምን ስልጣን ዝተውሃቦ ነቲ ቦርድ ጥራሕ እዩ ብምባል ገሊፁ:: ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ህወሓት ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ኣብ ክልላውን ሃገራውን ጉዳያት ከምዝዘተየ ኣብ ዘውፀኦ መግለጺ ኣፍሊጡ::

ብውድብ ብልፅግና ሕገ መንግስቲዊ ስርዓት ናይ ምፍራስ ወፍሪ ኣብ መወዳእታ ብርኪ በፂሑ ኣሎ ዝበለ እቲ መግለፂ እዚ ዛዕባ ኣብቲ ኣኼባ ልዑል ጠመተ ተዋሂብሉ እዩ ኢሉ:: እቲ ኮሚቴ ኣብ መግለፂኡ ሕዚ ብመንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ምርጫ ናይ ምንዋሕ ኣከያይዳ ኣይቕበሎን ኢሉ::

"ውድብ ብልፅግና ካብ ፈለምኡ እውን ምርጫ ንምክያድ ድሌት ስለዘይነበሮ፣ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ብምውሳድ ብሓደ ውልቀመላኺ ዝምራሕ ስርዓት ንምትካል ካብ ሕገ መንግስቲ ወፃእ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝተጀመረ ፃዕሪ ኣሓይሉሩ ቀፂልሉ ኣሎ" ክብል ህወሓት ኣብ መግለፂኡ ከሲሱ:: ኣብቲ መግለፂ ህወሓት ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ጉዳይ ምርጫ መፍትሒ ሓሳባት ንምቕራብ ተባሂሉ ብመንግስቲ ፌደራል አዳላውነት ዝተኻየደ ዘተ እኹል ምድላው ዘይተገበረሉን ግልፅነት ዘይነበሮን እዩ ኢሉ:: እቲ መድረኽ "ቀዳማይ ሚንስትር እዛ ሃገር ካብ ሕጊ ወፃኢ ኣብ ስልጣን ንምቕፃል ዘለዎም ግልፂ ድሌት ዘርአይሉ መድረኽ ኮይኑ" ክብል ገሊጹ::

እቲ መግለፂ: ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ሃገር ብዝፈቕዶ ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባት ብናይ በዓል ዋናነት መንፈስ ዝሳተፍሉ ምርጫ ንምስላጥ ዘኽእል ሃገራዊ መድረኽ ክከየድ ፃውዒት ኣቕሪቡ እዩ:: ብመሰረት ፈደራላዊ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ እቲ ምርጫ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ግምት ብዘእተወ መንገዲ ኣብ ግዚኡ ክካየድ ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ህወሓት ፀዊዑ። እዚ እንተዘይኮይኑ ግና: ብክልል ደረጃ ምርጫ ኣብ እዋኑ ንምክያድ ምድላዋት ከምዝጅምር ኣፍሊጡ።

ህወሓት ኣብ መግለፂኡ "ምስ ህዝቢ ትግራይን ንህዝቢ ትግራይ ዓርሰ ምሕደራ ምሉእ ኣፍልጦ ምስ ዝህቡ ሓይልታት ፖለቲካ ብምዃን ክልላዊ ምርጫ ሓዊሱ እዚ መሰል ህዝብና ካብ ሕምስምስ ንምድሓን ዘኽእሉ ስራሕ ብብርኪ ክልል ንምስራሕ ምድላው ክግበር ወሲኑ ኣሎ" ኢሉ:: መግለፂ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ህወሓት እዚ ምንቅስቓስ፡ ወፍሪ ፀረ ኮረና ከምኡ እውን ተቐባልነት ዘለዎም መትከላት ሕገ መንግስቲ ብዘማልአ መልክዑ ዝፍፀም ክኸውን ኣለዎ ድማ ኢሉ::

ህወሓት፡ ውድብ ብልጽግና "ድሕሪ መስከረም 25,2013 ኣብ ስልጣን ከፅንሖ ዝኽእል ዋላ ፀቢብ ዕድል እውን የለን" ኢሉ:: ስለዝኾነ ድማ፡ እቲ ሕዚ ዝግበር ዘሎ፡ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ኣፍሪስካ ኣብ ስልጣን ናይ ምጽናሕ ተግባር ከምዝኾነ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ:: ኣብዚ ጉዳይ ምላሽ ውድብ ብልፅግና ዝሓተትናዮም ወሃቢ ቃል እቲ ውድብ ኣይተ ኣወሉ ኣብዲ:: ምርጫ ኣብ ግዚኡ ክካየድ ውድቦም ቅዋም ሒዙ እናሰርሐ ምፅንሑ ተዛሪቦም:: ቦርድ ምርጫ እውን ከምብሓዱሽ ተወዲቡ ኣድላዩ ዘበለ ምድላዋት እናተኻየደ ፀኒሑ ኢሎም:: ኣብ ከይዲ ድማ ዓለም ለኻዊ ለበዳ ቫይረስ ኮረና ብምግጣሙ እቲ ምርጫ ንምክያድ ኣፀጋሚ ክኸውን ኪኢሉ ኢሎም:: ልዕሊ ፖለቲካዊ ስልጣን ደሕንነት ህዝቢ ጠመተ ክውሃቦ ስለዝግባእ ድማ ኣብ ምክልኻል እቲ ለበዳ ጠመተ ሂብና ንሰርሕ ኣለና ኢሎም::

እቲ ምርጫ ድማ ሕገ መንግስታዊ ብዝኾነ መንገዲ ንምንዋሕ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም:: ውልቀ መላኺ ስርዓት ንምህናፅ እዩ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ንዝብል ኣይተ ኣወሉ ምላሽ እንትህቡ ከም ውድብ ብልፅግና ዝምልከቶም ኣካላት ብዘካተተ ኣብ ብዴሞክራሲያዊ ዘተ እዩ ውሳነታት ዝውሰን እቲ ዘሎ ከይዲ ድማ ሕጋውነት ዝሓዘ እዩ ብምባል እቲ ክሲ ኣይተቐበልዎን:: ምርጫ ብደረጃ ክልል ምክያድ ድማ ሕጋዊ ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ ምርጫ ከዳልው ዝኽእል ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ እዩ ኢሎም:: ኩሎም ውድባት ዝሳተፍሉ ሃገራዊ መድረኽ ከዳልው ኣሎ ንዝብል ድማ: መንግስቲ ክሳብ ሐዚ እውን ምስ ውድባት ዘተ እናካየደ ፀኒሑ እዩ ሕገ መንግስታዊ መስረት ዘለዎ ዝሓሸ ሓሳብ ኣለኒ ዝብል እንተሃልዩ ድማ በርና ክፉት እዩ ኢሎም::

ኣማኻሪት ርክብ ህዝቢ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ወይዘሪት ሶልያና ሽመልስ ብወገነን ካብ ህወሓት ይኹን መንግስቲ ትግራይ ኣብቲ ክልል ምርጫ ክካየድ ዝሓተተ የለን ኢለን:: ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኾነ ከባቢ ዝካየድ ምርጫ ናይ ምምራሕን ምፍፃምን ስልጣን ዝተውሃቦ ነቲ ቦርድ ጥራሕ እዩ ክብላ ተዛሪበን:: ምርጫ 2012 ኣብ እዋኑ ንምክያድ ኣድላዪ ምድላዋት እናተገበረ ምፅንሑ ዝገለፃ ወይዘሪት ሶልያና ብምኽንያት ኮረና ቫይረስ እቲ ምርጫ ኣብ እዋኑ ምክያድ ኣይተኻኣለን ኢለን:: መንግስቲ ክልል ትግራይ ብዝተፈለየ ኩነታትን ግዘን ምርጫ ክካየድ ይደሊ እየ እንተኢሉ’ቲ ቦርድ ሕቶ ከቕርብ ይኽእል እዩ ክብላ ሓቢረን::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ::


Recommended

XS
SM
MD
LG