ሰላምን ፀጥታን ደቂ ኣንስትዮ ዩኒቨርሲቲ ጆርጅ ታውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ክልል ትግራይ ብዘሎ ቅልውላው ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝበፅሕ ዘሎ ኣካላውን ስነ ኣእሙሮኣዊን ማሕሰይቲ ንምዝታይን ብጭቡጥ ኣብቲ ቦታ እንታይ ይፍፀም ኣሎ ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ዝተፈላለያ መዳያት ኣብ ደቂኣንስትዮንኣዋልድን ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ጉድኣት ዝተዓዘባ ኣጋይሽ ዓዲሙ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ዝተዳለወ ዘተ ኣካይዱ ።
እዚ ላዕለወይቲ ዳይሬክተር ጆርጅ ታዎን ዩኒቨርሲቲ ሰላምን ፀጥታን ደቂኣንስትዮ ኣምባሳደር ሜላኔን ቬርቨር ዝመርሕኦ ዘተ ኣብ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ትካላት ሕቡራት ሃገራት ውክልና ዘለወንን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ዘይመንግስታዊ ትካላት ሓገዝን ከምኡ'ውን ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ ዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ክምስክራን ዝፈልጠኦ ከካፍላን ኣጋይሽ ዓዲሙ እዩ ዘትኡ ጀሚሩ ።
ኣብቲ እዋን እቲ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ብማሕበራዊ ገፃት እቲ ትካል 'ውን ብቀጥታ ከምዝፍኖ ዝገለፃ ኣምባሳደር ሜላኔን ነቲ ዝዘራረባሉ ዝነበራ ርእሰጉዳይ ተሳተፍቲ ሓባራዊ መረዳእታ ክህልዎም ተባሂሉ ቢቢሲ ካብ ዝፈነዎ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝወርድ ዘሎ መጥቓዕቲ ዝምልከት ዝተወሰነ ብምርኣይ እዩ ጀሚሩ ።
ብድሕሪ'ዚ ኣምባሳደር ሜላኔን ቬቨር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቤት ፅሕፈት ዋና ፀሓፊን ኣብ ጎንፂታት ንዝፍጠሩ ፆታዊ መጥቓዕቲታት ዝከታተል ቢሮ ፍልይቲ ተወካሊት ፕራሚላ ፓተን ነቲ ኩነታት ካብ መፈለምትኡ ክከታተለኦ ብምፅንሐን ኣብዚ እዋን እቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝበፅሐ መጥቓዕቲ ቤት ፅሕፈተን ዛጊት ዝበፅሖ ብርክን ክገልፃ ዓዲመንኣን::
ፕራሚላ ፓተን ፆታዊ መጥቓዕቲ መስርሕ ኲናት ካብ ምዃኑ ወፂኢ ታሪኽ ክኾኑ እናተገበዓኦም ሎሚ'ውን ቀንዲ መዘራረቢ እዚ እዋን ኮይኑ ይርከብ ። ኣብቲ ጎቦታት ዝበዝሕዎ ገጠራት ሰሜንን ማእኸላይን ትግራይ ደቂኣንስትዮን ኣዋልድን ንምግማቱ ዘፀግም ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ፆታዊ መጥቓዕቲ ይወርደን ኣሎ ክብላ ነቲ ዘለወን ሓበሬታ ከዘንትዋ ጀሚረን ።
"ኣብ ቀረባ እዋናት ሰብኣዊ ሓገዛት ዝህቡ ትካላት መፅናዕቲ ዘካይዱ ኣካላትን ጋዜጠኛታትን ናብቲ ክልል ክኣትዉ ብምፍቃዶም ጭካነ ዝተመልዓኦም ዝተፈፀሙ ፆታዊ መጥቓዕቲታት ፣ዩኒፎርም ብዝለበሱ ደቂተባዕትዮ ንደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ኣገዲዶም ናብ ካምፕታቶም ብምውሳድ ንሰሙናት ዓጊቶም ዝተፈላለዩ በደላት ከምዝፍፅሙን ፣ ኣብ ገለገሊኡ ድማ ፆታዊ ዓመፃት ክፍፀመን ከሎ ስድረአን ክሪኡ የገድድዎም ከምዝነበሩ ዝሕብሩ ታሪኻት ክወፁ ጀሚሮም ።
መዓልታዊ ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ድማ ሓደስቲ ተገዲደን ዝተዓመፃን ብጉጅለ ብዝዕምፅወን ጉድኣት ዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ዋላ እኳ ንህይወቶም ዘስግእ እንተኾነ ኣብተን ዝተረፋ ክሊኒካትን መዕቆቢታትን ኣገልግሎት ጥዕና ይህቡ ኣለዉ።"
ካብ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ቤት ፅሕፈተን ይበፅሕዎ ብዝነበሩ ሓበሬታታት ነቲ ኩነታት ክከታተሎ ከምዝጀመረ ዝሓበራ ፕራሚላ ኣዝዮም መስካሕካሕትን ረበሽትን ታሪኻት ካብ ኣፍ ግዳያት ደቂ ኣንስትዮ ከምዝሰምዓን ፤ ተፃባእቲ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ከም መስርሕ ኲናት ምጥቃም ጠጠው ከብሉን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራትን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብሓባር መርመራ ከካይዱ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ብቅልጡፍ ክጅምርዎ ፃውዒት ኣቅሪበን ።
“ፈለማ ኩሎም ተፃባእቲ ወገናት ዓለምለኸ ሰብኣዊ ሕግታት ከኽብሩ ፣ካልኣይ ብፆታዊ ዓመፃት ዝተጠቅዓ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ወሰንቲ ኣገልግሎታት ሕይወት ኣድሕን ሕክምናውን ስነኣእሙሮኣዊን ኣገልግሎት ክረክባ ምስ መንግስቲ ኢዮጵያን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብምዝርራብ ሓደ ፅቡቅ ጅማሮ ክበሃል ዝኽእል ርክብ በፂሕና ኣሎና ። ነዚ ድማ ምስ ምስ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ብምዝርራብ ሓባራዊ ፃዕሪ ፣ ፖለቲካዊን ገንዘባዊ ሓገዛትን ንምርካብ ንሰርሕ ኣለና::”
ዋላ'ኳ ኣብ ፈለማ እዋናት ማሕበራዊ መራኸቢታት ዕፁዋት ብምንባሮም ሕቡራት ሃገራት ነቶም ፍፃመታት ዘረጋግፅሉ ኩነታት እንተዘይነበሮ ይኹን 'ምበር ኢድና ዓፃፂፍና ኮፍ ኣይበልናን ። እዚ ድማ መበገሲ እቶም ዝኾኑ ዘለዉ 'ምበር እቲ ብድሕሪ'ዚ ዘሎ ስራሕ ርክባት ምፍጣር እዩ ነይሩ ። ብድሕሪ እዚ 108 ደቂ ኣንስትዮ ከምዝተዓመፃን ምናልባት'ውን እቲ ቁፅሪ ካብኡ ክዛይድ ከምዝኽእል ካብ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣካላትንሓበሬታ ክርከብ ተኻኢሉ'ዩ ኢለን።
"ኣገልግሎት ጥዕና ዝህቡ ኣካላት ግዳያት እናበዝሓ ብምምፀአን ሕፅረት ቀረብ መድሓኒታት መከላኸሊ ጥንሲን መነፀሊ ጥንሲን ፣ ብምኽንያት ዝበፅሐን ፆታዊ መጥቓዕቲ ቅልውላው ስነ ኣእምሮ ይገጥመን ከምዘሎ ዝረኸብናዮም ሓበሬታታት እቲ ፆታዊ ብስፍሓት ይፍፀም ከምዘሎ ዘርኢ እዩ ። ከምኡ'ውን ነዚ መጥቓዕቲ እናተኸታተሉ ኣብ ዝምዝግቡ ሰራሕተኛታትን ጋዜጠኛታትን ምፍርራሓት ፣ናብ መዕቆቢ ግዳያት ብምእታው ፈተሻታት ምክያድ ዝበሉ ሓበሬታታት 'ውን ረኺብና እዚኦም ኩሎም ኣብ ቀጠናታት ኲናት ዝፍፀሙ ልሙዳት በደላት እዮም ።ብሙዃኑ ወሰንቲ ምልክታትን መጠንቀቅታታትን ሙኳኖም ተረዲእና ድምፂ እተን ደቂ ኣንስትዮ ክንከውን ጀሚርና። "
ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፋ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚት ተወካሊት ሃገረ ኣየርላንድ ኣምባሳደር ጀራልዲን በርለን'ውን ኢትዮጵያ ካብተን ነዊሕ ዕድመ ዘቁፀራን ምስ ሃገረን ስጡም ርክብ ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ሙዃና ድሕሪ ምግላፅ ልዑል ዋጋ ዝወሃቦ ምሕዝነት ከምዝኾነ'ውን ሓቢረን ። ብሙዃኑ ድማ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ዘለና ድልየት ዝለዓለ እዩ ኢለን ።ሎሚ ንጉሆ ኣብዚ ክዛረብ ከለኹ ግን ነተን እዚ ኹሉ ዝወርደን ዘሎ በደላት ተሰኪመን ብፅንዓት ዝተረፋ ደቂ ኣንስትዮ ዘለኒ ክብሪ ክገልፅ ይፈቱ ድሕሪ ምባለን ኣየርላንድ ነቲ ዘሎ መስካሕካሓይ በደላት ድምፃ ተጠቂማ ምቅላዓ ክትቅፅል እያ ኢለን ።
"እዞም መደንገፅቲ በደላት ስልታዊ ብዝኾነ መገዲ ዝተፈፀሙን ኣዚዮም ብዙሓት ግዳያት ክህልዉ ከምዝኽእሉ ርዱእ እዩ ። መብዛሕትኹም ኣብዚ ዘለኹም ተሳተፍቲ በብሰዓቱ እተንብብዎን ትሰምዕዎን ክኸውን ይኽእል ።ንሕና'ውን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዝተፈላለዩ መዳያት ስለእንሰርሕ ኣዝዮም ዘስካሕክሑ ታሪኻት ሰሚዕና ኢና ፤ ከምዘይሰማዕና ኮይና ክንሓልፎም ድማ ኣይንኽእልን ዝያዳ ዘገድሰና እቲ ክቡር ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሙዃኑ እዚኦምን ካልኦትን ዝፍፀሙ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ጠጠው ንኽብሉ ኣየርላንድ ከምተመራፂት ኣባል ባይቶ ፀጥታ ድማፃ ምስማዓ ክትቅፅል እያ::"
ካልእ ኣብቲ ሰላምን ፀጥታን ደቂ ኣንስትዮ ጆርጅ ታዎን ዩኒቨርሲቲ ዘዳለዎ ብቪድዮ ዝተኻየደ ዘተ ዝተሳተፈት ቅድም ክብል ኣብ ትግራይ ንደቂ ኣንስትዮ ኣብዝረብሑ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ስራሕት ክትነጥፍ ዝፀንሐት ፋናየ ሓጎስ ብፍላይ ድሕሪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ድማ ነቲ ዝበፅሕ ዘሎ ፆታዊ ዓመፃትን በደላትን ኣባል ዳያስፖራ ተጋሩ ኮይና ከተቃልዕ ፀኒሓ እያ ።
እቲ ኣብ ትግራይ ከተማ መቀለ ዝርከብ ሴፍ ሃዉስ እናተባህለ ዝፍለጥ መዕቆቢ ደቂ ኣንስትዮ ግዳያት ፆታዊ ዓመፃት ሓገዝ ይህብ ከምዘሎ ይፍለጥ ።ንስኺ ድማ መዓልታዊ ርክብ ስለዘሎኪ እተን ግዳያት ኣብቲ ቦታ ሰላም'ዶ ይስመዐን ክብላ ኣሰናዳኢት እቲ ዘተ ኣምባሳደር ሜላኔን ቬቨር ሓቲተንኣ ነይረን።
“ ሰላም ኣይስመዐንን ምኽንያቱ ጥርዓነን ዘቅርባሉ ሕጊ የለን ፣ፍትሒ የለን። ብዛዕባ ዝበፅሐን መጥቓዕቲ ኮነ ሓደጋ ዝዛረባ ሕክምና ንኽረኽባ ጥራሕ እዩ ። ኣብዚ እዋን ሓለዋ ክህበን ኮነ ክጣበቀለን ዝኽእል ኣካል ምርካብ ዘይሕሰብ እዩ ። እቲ ንደሕንነተን መሐለዊ ክኸውን ተባሂሉ ዝተዳለወ ቦታ'ውን ወተሃደራት ኣትዮም ከምድላዮም ዝበትዎ ቦታ ኮይኑ እዩ ።”
ብድሕሪ'ዚ ካብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ዝማእከለን ኽልተ ሓገዝ ወሃብቲ ዘይመንግስታዊ ትካላት ኬር ኢትዮጵያ ወኪለን ዝተሳተፋ ኣጋይሽ: ኣብ ኬር ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ሓደጋ ኣማኻሪት ስነፆታ ዝኾነት መሆን ኣፈወርቅ ዝረኣየቶን ዝተፈፀሙ ክስተታትን ምስ ካልኦት ተመሳሰልቲ ኣጋጣምታት ኣተሓሒዛ እዚ ዝተፈለየ ዝገብሮ: “ ምስቲ ዝኻየድ ዘሎ ህሉው ጎንፂ ተኣሳሲሩ ፆታዊ ዓመፃት ዝመሰረቶም ዝተፈላለዩ ፆታዊ በደላት ይበፅሐን ከምዘሎ ኣረጋጊፅና ኢና ።ካብቶም ዳህሳስ ዘካየድናሎም ከባቢታት ከምእተረዳእናዮ ካብ ሓደጋ ዘብፁሑሎም ክሃድሙ ክብሉ ምስ ወለዶምን ሓብሐብቶምን ዝተጣፍኡ ህፃናት ከምዘለዉ ፣ ከምዚ ዓይነት በደላት ክፍፀሙ ከለዉ'ውን ከይደን ዝሕከማሎምን ዝጠርዓሎምን ጥዕና ጣብያታትን መሓዉር ፍትሕን ብዘይምሕላዉ እቲ በደል ክበኣኣስ ከምዝገበሮ እዚ ድማ ቅድም ክብል ካብ ካብ ዝተዓዘብናዮ ተመሳሳሊ ጎንፅታት ዝፈልዮ እዩ ።”
ዳይሬክተር ኬር ኢትዮጵያ ኤስተር ዋት ድማ ነቲ ተበፃሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣመልኪተን ትካላን ዝገጥሞ ዘሎ ፈተናን ኣብሪሃ ።
“ከም ወሃብቲ ሓገዝ ክንበፅሐሎም ዝተፈቅዱ ከባቢታት ኣለዉ ። ይኹን እምበር ኣዝዮም ፈተንቲ እዮም ። ስጋብ ሓሙሽተ ዝበፅሑ ዝተፈላለዩ ሰበስልጣናት ክፈቅዱ ኣለዎም ምስኡ ድማ በየናይ ከባቢ ፣ምናልባት'ውን ህሉው ኲናት ዝካየደሉ ዘሎ ኸባቢ ክከውን ይኽእል ፣ንሱ ድማ ንደሕንነትና'ውን ዘስገእ ይኸውን ። ብሙዃኑ እቶም ምሳና ሓቢሮም ዝጓዓዙ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሕለፉ ስጋዕ ዝብሉና ንመዓልታት 'ውን ንፅበ ። ከምኡ'ውን ፍሉጣት መዓደሊ ማእከላት ብዘይምህላዎም ከምኡ'ውን ኣገልግሎት ስልኪ ብዘይምሕላዉ ቀልጢፍካ ሓበሬታታት ክንቀባበል ኣይክእኣልናን።”
ኣብ መወዳእታ ኣምባሳድር ማለኔ ቬቨር ብርግፅ ስጋብ ሐዚ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተሰርሑ ጸኒሖም እዮም።ይኹን እምበር ሐዚ ግና ቀልጢፍና ናብ ተግባር ክቅየር ብምፅዓር ነተን ኣብ ፀበባ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ድምፂ ክንኮነለን ይግባእ ኢለን::