መቐለ —
ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራዊያን ሓንቲ ኤርትራዊት ስደተኛ ብቫይረስኮረና ከምዝተትሓዘት ተገሊፁ::
ቢሮ ሓለዋ ጥዕና እቲ ክልል : ኣብ ዓዲ ሓሩሽ ዝተባህለ መዓስከር ስደተኛታት 16 ዝዕድሚኣ ስደተኛ ብቫይረስ ከምዝተትሓዘት ሓቢሩ::
ኤጀንሲ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን መንግስቲ ኢትዮጵያ መወገኑ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ብቫይረስኮርና ዝተትሓዘ ስብ ከምዘሎ ብዝምልከቶ ቤትዕዮ መንግስቲ ፌደራል ብዕሊ ዝተገለፀ ነገር የለን ብምባል እቲ ቫይረስ ንምክልኻልን እንተኣትዩ ድማ ንምቁፅፃር ንሰርሕ ኣለና ኢሉ::