ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ክልል ትግራይ ኣቐዲሙ ተጠቒሙ’ዩ ብዝብል ሓደሽቲ ፕሮጀክትታት ከይፍጸሙ ፈደራል መንግስቲ ምንቅስቃስ ጀሚሩ’ዩ” ም/ም/ክልል ትግራይ


ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብሚካኤል
ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብሚካኤል

ክልል ትግራይ ኣቐዲሙ ብዝተፈለየ ተጠቒሙ እዩ ብዝብል ኣረኣእያ ፌዴራል መንግስቲ ዝፈፀሙ ሓደሽቲ ፕሮጀክታት ከይስርሑ ምንቅስቓስ ጀሚሩ’ሎ ክብሉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብሚካኤል ኣፍሊጦም።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካአል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ጠመቱ ዝሃብዎ መግለፂ ንጉዳይ ሰላም፣ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን እቲ ክልል ጠመተ ዝገበረ እዩ ።

ኣብ ትግራይ ገጠር ከባቢታት ጉዳይ ምሕደራን ዳኝነትን መሬት፤ ተተሓሒዙ ፀገማት ይረአ ብምንባሩ መሓውር መሬት ዳኝነትን ምምሕዳርን ምሉእ ብምሉእ ክፈርስ ተገይሩ ኢሎም።

ቅድሚ ሐዚ ጣብያታት በሰናይ ፍቓደኛታት ይመሓደሩ ነይሮም እዚ ከይዲ ንህዝቢ ዝግባእ ግልጋሎት ዝህብ ከምዘይኮነ ብመፅናዕቲ ተረጋጊፁ ኢሎም።

እቲ ፀገም ብነባሪ ንምፍታሕ ኣብ ጣብያታት ብህዝብን ኣብያተ ምኽሪን ዝተመረፁ መብዛሕቲኦም ቀዳማይ ዲግሪ ዘለዎም መንእሰይ በቀዋምነት ተቖፂሮም ኢሎም።

ኣብ ማሕበራዊ ኣብያተ ፍርድ ዝነበረ ግልጋሎት እውን ህዝቢ የማርረሎም ካብ ዝነበረ ጉዳያት ሓደ ብምዃኑ ጉዳያት ሕጊ ናብ ስሩዕ ቤትፍርዲ ክኣትው ብምግባር እቲ ናይ ማሕበራዊ ቤትፍርዲ ግልጋሎት ክንኪ ተገይሩ ኢሎም።

ካብ ገጠር ናብ ከተማ ኣብ ዝተኻለሉ ከባቢታት ዝነብሩ ሓረስቶት ብዝምልከት ድማ ሓረስቶት ዝሓሸ ህይወት ክመርሑ እምበር ናብ ዝኸፍአ ድኽነት ዝኣትውሉ ስርዓት ክህልው መንግስቲ ኣይደልን ኢሎም።

ሓረስቶትን መናእሰይ ተጠቃሚ ንምግባር መንግስቲ ይሰርሕ ኣሎ ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑፀሩ መናእሰይ መሬት መንበሪ ገዛ ይወሃቦም ኣሎ ክብሉ ገሊፆም።

ኣብ ዙርያ መቐለ ዝነብሩ መናእሰይ ዘለዎም ሕቶ መሬት መንበሪ ጠሚቱ ምስ ነበርቲን ዝምልከቶም ኣካላት ከምዝዘተዩ ዝተዛረቡ እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕደር ኣብ ከይዲ ኣፈፃፅማ ፀገም ከምዘሎን ብተወሳኺ እቲ ናይ መቐለን ከባቢኡን ጉዳይ መሬት ዝተሓላለኸ ብምዃኑ ነዚ ንምፍታሕ ፃዕሪ ይግበር ምህላዉ እዮም ተዛሪቦም።

ኣብ ውሽጢ ትግራይ ኮይኖም ሓድነት ህዝቢ ንምፍራስ ዝንቀሳቓሱ ሓይልታት ኣለዉ ድሕሪ ምባል ኣብ ቀረባ እዋን ‘ባንዳ’ ኢሎም ብዛዕባ ዝተዛረቡ ከብርሁ ኸለው ድማ እዚ ቃል ንውልቀሰባት እምበር ሕቶ ንዘቕረበ ሕብረተሰብ ይኹን ፖለቲካዊ ውድብ ኣይውክልን ኢሎም። ነዚ ተግባር ይፍፀሙ ኣለዉ ዝበልዎም ሰባት ሽም ግና ካብ ምርቛሕ ተቖጢቦም።

ሰላም ትግራይ ንምሕላው ህዝቢ ይገብሮ ካብ ዘሎ ፃዕሪ ብተወሳኺ ናይቲ ክልል መሓውር ፀጥታ ከምዝሓየለ ተዛሪቦም ብቐፃሊ እዋን ከምዝቕጽል ሓቢሮም።

ቀፃሊ ክራማት ሕፅረት ዝናብ ከምዝህልው ትንበያ ሜትዮሮሎጂ ኣሎ ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን ህዝቢ ናይ ምዕቋር ባህሉ ከዕብይ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ተመዛቢሎም ናብ ትግራይ ዝመፁ ልዕሊ 100 ሽሕ ተጋሩ ኣለዉ ነዚኦም እግሪ ናይ ምትካል ስራሕ ይሰራሕ ኣሎ ድሕሪ ምባል ካብ ክልል ኦሮምያ ዝተመዛበሉ መንግስቲ እቲ ክልል እግሪ ናይ ምትካል ስራሓት ክፍፅም ቃል ከም ዝኣተወ ተዛሪቦም።

ዝበዝሑ ተመዛበልቲ ካብ ክልል ኣምሓራ ዝመጹ ምዃኖም ዝገለፁ ዶክተር ደብረፅዮን፤ ኮይኑ ግና ምስቲ ክልል ቅድሚ ስራሓት እግሪ ምትካል ኣብ ጉዳይ ሰላም ዘተ ከምዘድልይ ሓቢሮም።

ኣብ ከባቢኡ ዝረኣዩ ጎንፅታትን ምጥፋእ ህይወት ሰብን ፀገም አመራርሓ እናሃለወ በዚ ድማ ኣብ ክንዲ ናብ መፍትሒ ምስጋር ሐዚ እውን መበገሲኡ "ህወሓት እዩ" ብምባል ዝግለፅ ሐዚ እወን ዘይተፈትሐ ትኽክል ዘይኮነ ኣተሓሳስባ እዩ ኢሎም።

ሓረስቶት ንእታወት ሕርሻን፤ ካልኦት ዝተወሰዱ ልቓሕ ስለ ዘይተመለሱ በዚ ድማ ናይቲ ልቓሕ ዋሕስ መንግስቲ ክልል ብምዃኑ መንግስቲ ፌደራል ካብ በጀት ትግራይ 200 ሚልዮን ከምዝቖረፀ ዶክተር ደብረፅዮን ሓቢሮም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ፌዴራላዊን ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ እዩ ዝበሉ እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኢትዮጵያ ትልለየሉ ሰላም ተዘሪጉ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብዘሎ ምዝንባል ኣብ ዓለም ኣብ ቅድሚት ትስራዕ ሃገር ኮይና ኣላ እዚ ድማ ውርደት እዩ ብምባል ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ክልል ትግራይ ብዝተፈለየ ተጠቒሙ እዩ ብዝብል ኣረኣእያ ብመንግስቲ ፌዴራል ዝፈፀሙ ፕሮጀክታት ሓደሽቲ ከይስርሑ ንምግባር ምንቅስቓስ ተጀሚሩ ኢሎም።

ቤት ምኽሪ ፌደሬሽንን ሚንስተር ፋይናንስን ቁጠባን ብምትሕብባርን ኣብ ጉዳይ በጀት ምላሽ ክህቡና ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Recommended

XS
SM
MD
LG