መቐለ —
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ብምኽንያት ልዕሊ ዓመት ኣቁፂሩ ዝርከብ ኲናት ኣብታ ክልል ዝርከብ ዝዓበየ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ኣገልግሎት ምሃብ ጠጠው ከብል ይግደድ ምህላዉ ተገሊፁ ። እዚ ሕፅረት ሕክምናዊ ናውትን ኣፋውስን ዝገጠሞ ሆስፒታል ማሕበረሰብ ዓለም ቅልጡፍ ምላሹ ክህቦም ሰብ ሞያ ሕክምና እቲ ሆስፒታል ፀዊዖም ።