ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መቐለ ዝተዳለወ ምትእኽካብ ገንዘብ ልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ብር ንልምዓት ትግራይ ንምብርካት ቃል ተኣትዩ


ትማሊ ኣብ መቐለ ኣብ ዝተዳለወ ምትእኽካብ ገንዘብ 'ቴሌቶን' ልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ብር ንልምዓት ትግራይ ንምብርካት ቃል ተኣትዩ:: ብተበግሶ ተጋሩ ሰብ ሃብትን ነጋዶን ኣብ ከተማ መቐለ ትማሊ ዝተኻየደ መድረኽ መንግስቲ ትግራይ ካብ ህዝቢ ሓገዝ ገንዘብ ብዝሓተቶ መሰረት እዩ::

መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብቲ ክልል ዝተጀመሩ ስራሓት ልምዓት ንምሕያል: ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተመዛበሉ 109 ሽሕ ተጋሩ እግሪ ንምትካልን ደሕንነት እቲ ክልል ንምሕላው ብዝብል ካብ ህዝቢ ሓገዝ ገንዘብ ንምትእኽኻብ ብዘቕረቦ ፃውዒት መሰረት ትማሊ ቴሌቶን ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ:: ኣብቲ ብተበግሶ ተጋሩ ሰብሃብትን ነጋዶን ዝተዳለወ መድረኽ 250 ሚልዮን ብር ንምርካብ ተተሊሙ ልዕሊ 540 ሚልዮን ብር ካብ ለገስቲ ቃል ተኣትዩ::

ኣብቲ ቴሌቶን ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት) ዘወፈዮ 50 ሚልዮን እቲ ዝለዓለ መጠን ገንዘብ ኮይኑ ተመዝጊቡ::

ምክትል ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል : ኩሉ ትግራዋይ ንልምዓት ትግራይ ብገንዘቡ፣ ብፍልጠቱን ብኽእለቱን ክሳተፍ ኣለዎ ኢሎም:: ብናይ መንግስቲ በጀት ጥራሕ ፀገም ድኽነት ትግራይ ኣይፍታሕን ዝበሉ እቶም ምክትል ኣመሓዳሪ: ንዕብየት ትግራይ ዘበርከቱ ኣካላት ድማ ኣመስጊኖም። ስእነት ስራሕ ንምፍታሕ ካብ ድኽነት ንምውፃእን ሓላፍነት ኩሉ ትግራዋይ እዩ ክብሉ ድማ ተዛሪቦም:: ኣብዚ ሐዚ እዋን ግዜኦም ኣብ ዘረባ ዘሕልፉ ወገናት ናብ ስራሕ ክኣትው ይግባእ: ትግራይ እትጠልቦ ስራሕ ክሰርሑ ይግባእ ብምባል’ውን ኣተሓሳሲቦም።

ትማሊ ኣብ ዝነበረ መድረኽ እቶት ምትእኽኻብ ካብ ተወለድቲ ትግራይ ብተወሳኺ ካብ ክልላት ኣምሓራ: ዓፉርን ኤርትራን ሓገዝ ከምዝተበርኸተ ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ እዩ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Recommended

XS
SM
MD
LG