ትማሊ ኣብ መቐለ ኣብ ዝተዳለወ ምትእኽካብ ገንዘብ 'ቴሌቶን' ልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ብር ንልምዓት ትግራይ ንምብርካት ቃል ተኣትዩ:: ብተበግሶ ተጋሩ ሰብ ሃብትን ነጋዶን ኣብ ከተማ መቐለ ትማሊ ዝተኻየደ መድረኽ መንግስቲ ትግራይ ካብ ህዝቢ ሓገዝ ገንዘብ ብዝሓተቶ መሰረት እዩ::
መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብቲ ክልል ዝተጀመሩ ስራሓት ልምዓት ንምሕያል: ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተመዛበሉ 109 ሽሕ ተጋሩ እግሪ ንምትካልን ደሕንነት እቲ ክልል ንምሕላው ብዝብል ካብ ህዝቢ ሓገዝ ገንዘብ ንምትእኽኻብ ብዘቕረቦ ፃውዒት መሰረት ትማሊ ቴሌቶን ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ:: ኣብቲ ብተበግሶ ተጋሩ ሰብሃብትን ነጋዶን ዝተዳለወ መድረኽ 250 ሚልዮን ብር ንምርካብ ተተሊሙ ልዕሊ 540 ሚልዮን ብር ካብ ለገስቲ ቃል ተኣትዩ::
ኣብቲ ቴሌቶን ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት) ዘወፈዮ 50 ሚልዮን እቲ ዝለዓለ መጠን ገንዘብ ኮይኑ ተመዝጊቡ::
ምክትል ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል : ኩሉ ትግራዋይ ንልምዓት ትግራይ ብገንዘቡ፣ ብፍልጠቱን ብኽእለቱን ክሳተፍ ኣለዎ ኢሎም:: ብናይ መንግስቲ በጀት ጥራሕ ፀገም ድኽነት ትግራይ ኣይፍታሕን ዝበሉ እቶም ምክትል ኣመሓዳሪ: ንዕብየት ትግራይ ዘበርከቱ ኣካላት ድማ ኣመስጊኖም። ስእነት ስራሕ ንምፍታሕ ካብ ድኽነት ንምውፃእን ሓላፍነት ኩሉ ትግራዋይ እዩ ክብሉ ድማ ተዛሪቦም:: ኣብዚ ሐዚ እዋን ግዜኦም ኣብ ዘረባ ዘሕልፉ ወገናት ናብ ስራሕ ክኣትው ይግባእ: ትግራይ እትጠልቦ ስራሕ ክሰርሑ ይግባእ ብምባል’ውን ኣተሓሳሲቦም።
ትማሊ ኣብ ዝነበረ መድረኽ እቶት ምትእኽኻብ ካብ ተወለድቲ ትግራይ ብተወሳኺ ካብ ክልላት ኣምሓራ: ዓፉርን ኤርትራን ሓገዝ ከምዝተበርኸተ ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ እዩ::