ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝንቀሳቀስ ‘ሰብሕድሪ’ ዝተባህለ ሲቪል ማሕበረስብ ኣብ ዘካይዶም ህዝባዊ ኣኼባታት ብታሕተዎት ኣካላት መንግስቲ ኣባላተይ ይከላበቱ ኣለዉ ክብል ከሲሱ::
ኣቦ መንበር ሰብ ሕድሪ ኣይተ መሓሪ ዮሃንስ ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ከተማ ፅጌሬዳ እቲ ሲቪል ማሕበረስብ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ዝተሳተፉ ነበርቲ ሓሳቦም ብነፃነት ስለዝገለፁ ብኣካላት መንግስቲ ይከላበቱ ኣለዉ ኢሎም::
‘ሰብ ሕድሪ’ ትካል ሲቪል ማህበረሰብ ካብ ዝተጣየሸሉ እዋን ጀሚሩ ኣብቲ ክልል ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ህዝባዊ ኣኼባ ከካይድ ምጽንሑ ይገልጽ:: ኣቦ መንበር ሰብ ሕድሪ ኣይተ መሓሪ ዮሃንስ ከምዝተዛረብዎ በብግዚኡ ኣብ ዝካየዱ ህዝባዊ ኣኼባታት ብፍላይ አባላት ታሕተዎት መሓውር መንግስቲ ኣባላትና የከላብቱን የፈራርሑን ኣለው ኢሎም::
ብተወሳኺ ናይ ዝተፈላለዩ ኣካላት ተለኣአኽቲ ብምባል ስምና የጥፍኡ ኣለዉ ክብሉ ገሊፆም:: ክሳብ ሐዚ ዝበፅሑና ፀገማት ተፃዊርና መፂእና ኢና ዝበሉ ኣይተ መሓሪ ኮይኑ ግና ካብ ቀረባ እዋን እቲ ኩነታት እናተጋደደ መፂኡ ኢሎም:: ብፍላይ ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ከተማ ፅጌሬዳ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ዝተሳተፉ ነበርቲ ሓሳቦም ብነፃነት ስለዝገለፁ ብኣካላት መንግስቲ ይከላበቱ ኣለዉ ኢሎም::
እዚ ዓይነት ኣካሂዳ ንቐፃሊ ከይዲ ዲሞክራሲ ዘተዓናቕፍ ብምዃኑ ብቅልጡፍ ክእረም ይግባእ ኢሎም:: ህዝቢ ዝደልዮ ስራሕ ኣብ ክንዲ ምስራሕ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘሎ ፖለቲካዊ ፀገም ብምጥቃም ንህዝቢ የፈራርሑ ኣለዉ ብምባል ተዛሪቦም:: ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ፅጌሬዳ ፀገም ካብ ዘጋጠሞም ዝተባህሉ ሓደ ኣርኣያ ሓዱሽ ሰብ ሕድሪ ኣብ ዘዳለዎ ኣኼባ ተረኺቡ ፀገም እቲ ከባቢ ብምግላፁ ከምዝተኣሰረን ብድሕሪኡ ድማ ምፍርራሕ ከምዝበጽሖን ይሕብር::
ኣማሓዳሪት ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ወይዘሮ ኪዳን ተስፋይ ኣብቲ ጉዳይ ብስልክ ሓቲትናየን ተፈፂሙ እዩ ዝተባህለ በደል ትክክል ኣይኮነን ዝበላ ኮይነን ዝርዝር ጉዳይ ብስልኪ ምላሽ ንምሃብን ድምፀን ንክቕረፅ ፍቃደኛ ኣይኮናን::
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።