ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህውሓት ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተመደበሉ ጊዜ እንተዘይተኻየዱ ኣብ ክልል ትግራይ ምርጫ ከምዘካይድ ይገልጽ


ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ውድብ ህወሓት ኣብ መፅሄት ወይን ብዛዕባ ምርጫ ዘውፀኦ መርገፂ ዳግም እቲ ፅሑፍ ኣብ ወግዓዊ ፌስቡክ ገፅ እቲ ውድብ ኣብዚ ሰሙን ስለዝተጠቅዐ መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ ኣሎ:: ኣብቲ ዝወፀ ፅሑፍ ቅዋም ህወሓት ምርጫ ኣብ እዋኑ ክካየድ ከምዘለዎ እዩ:: ብምኽንያት ኣብዚ ሃገር ዝተፈጠረ ፀገም ምርጫ ክናዋሕ የብሉን: ዝበለ እቲ መርገፂ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ፀገም ኮይና እውን ምርጫ ኣካይዳ እያ ብምባል ቅድሚ 20 ዓመት ኣብ 1992 ዝተኻየደ ምርጫ የዘኻኽር::

ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ፅዑቕ ኵናት ኣብ ዝነበራሉ እዋን: ብተወሳኺ ድማ ኣብ ውሽጢ ኣመራርሓ ኢህወደግ ብዛዕባ ኩለመዳያዊ ኣካይዳ ክትዕ ኣብ ዝነበረሉን ሕገመንግስታዊ ስርዓት ንከይጠሓስ ምርጫ ከምዝተኻየደ ኣዘንቲዩ:: ኣብዚ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ምርጫ ኣብ እዋኑ ክካየድ ከምዘለዎ ዘተሓሳሰበ እቲ ቅዋም ህወሓት: ብደረጃ ሃገር ምርጫ እንተዘይተኻይዱ ድማ ካብ መወዳእታ መስከረም 2013 ጀሚሩ ኣብ ትግራይ እውን ሕጋዊ ቅቡልነት ዘይብሉ መንግስቲ ስለዝህሉ ብምባል ብደረጃ ክልል ትግራይ ምርጫ ክካየድ ኣለዎ ይብል:: እቲ ምርጫ ብምክያድ ሙሉእ መንግስታዊ ቅርፂ ዘለዋ (ዴፋክቶ ስቴት) ኮይና ትግራይ ትቕፅለሉ ኣንፈት እዩ እቲ ውድብ ኣብ ፅሑፉ ዘነፀረ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ተተሊሙ ዝነበረ ምርጫ ብምኽንያት ለበዳ ቫይረስ ኮረና በቲ ዝተትሓዘሉ እዋን ንምክያድ ከምዝፅገም ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣፍሊጡ እዩ::

ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶ ካብ ዝሓተትናዮም ውድባት ሓደ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ ባይቶና እዩ:: ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ኣይተ ኪዳነ ኣመነ ውድቦም እቲ ምርጫ ብደረጃ ሃገር ኣብ እዋኑ ክካየድ ኣለዎ ዝብል መርገፂ ከምዘለዎ ብምሕባር እንተዘይተኻይዱ ግና ኣብ ትግራይ ሕጋዊ ቅቡልነት መንግስቲ ምእንተ ክህሉ ብደረጃ ትግራይ እቲ ምርጫ ክካየድ ከምዘለዎ ኣቐዲሙ እውን ኣፍሊጡ ነይሩ ኢሎም:: ኣይተ ኪዳነ እቲ ምርጫ ብደረጃ ትግራይ ንምክያድ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ግና ንምክልኻል ሕማም ኮረና ተባሂሉ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ኣብ ዘለሉ: ብተወሳኺ ድማ እቲ ናይ ምርጫ ክካየድ ኣለዎ ዝበሃለሉ ግዘ ድማ ሓፂር ምስ ምኻኑ ግልፅን ፍትሓውን ምርጫ ምክያድ ይከኣል’ዶ ዝብል ከምዘተሓሳስቦም ተዛሪቦም:: ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ዓረና ንልኣላውነትን ዴሞክራሲን ኣይተ ዓምዶም ገብረስላሴ ብወገኖም ውድቦም ልዕሊ ኹሉ ንጥዕናን ደሕንትን ዜጋታት ዝሓስብ እዩ ኢሎም: ጉዳይ ምርጫ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ምስ ወዓለ ናብ ጠረጴዛ ቐሪብኻ ብዘተ ክፍታሕ ይኽእል እዩ ኢሎም:: ሓደ ክልል ምርጫ ከሰናድእ ይኽእል እዩ ዝብል ብሕጊ ዝተቐመጠ የለን ክብሉ ተዛሪቦም:: ድሕሪ መስከረም 2013 ሕጋዊ ቅቡልነት ዘይብሉ መንግስቲ ዝመፅእ ዋላ እንተኾነ ልዕሊ ድሕንነት ዜጋታት ኣይኸውንን ኢሎም:: ለበዳ ቫይረስ ኮረና ንህዝቢ ስግኣት ኣብ ዘይኮነሉ ደረጃ ምስ በፅሐ ድማ ኩሎም ውድባት ፖለቲካ ዘካተተ ድርድር ብምክያድ ዝፍታሕ ክብሉ ሓቢሮም:: ኣብዚ ጉዳይ ኣብ ውድብ ብልፅግና ትግራይ ርእይቶንምርካብ ንሓላፊ ቤት ፅሕፈት እቲ ውድብ ኣይተ ነብዩ ስሑልሚኬኤል ሓቲትናዮም "ወግዓዊ ዝኾነ መግለፂ ክሳብ ብህወሓት ዘይተውሃበሉ ምላሽ ክንህብ ኣይንኽእልን" ኢሎም:: ኣብ ናይ ውልቀኦም ፌስቡክ ገፅ ግና ብደረጃ ክልል ምርጫ ምክያድ ሕገ መንግስቲ ምጥሓስ እዩ ዝብል ፅሑፍ ጠቂዖም::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ::


Recommended

XS
SM
MD
LG