ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ሃገርለኸ መድረኽ ምድሓን ሕገ መንግስትን ሕብረ-ብሄራዊ ፌደራላዊ ስርዓትን" ዝተሰየመ ዋዕላ ኣብ መቐለ ይካየድ'ሎ


ኣብ ከተማ መቐለ "ሃገርለኸ መድረኽ ምድሓን ሕገ መንግስትን ሕብረ-ብሄራዊ ፌደራላዊ ስርዓትን" ዝተሰየመ ዋዕላ ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ኩሎም ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝተውፅኡ ሽማግለ ዓዲ: መራሕቲ ውድባት ፖለቲካ: ምሁራንን መራሕቲ ሃይማኖት ዝተሳተፍሉ ሃገራዊ መድረኽ: ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያን ፌዴራላዊ ስርዓት ዝምልከት ፅሑፋት ቀሪቦም ዘተ ይካየደሎም ኣሎ::

"ምድሓን ሕገ መንግስትን ሕብረ ብሄራዊ ፌዴራላዊ ስርዓት" ብዝብል ይካየድ ዘሎ እቲ መድረኽ ዝኸፈቱ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል: ብሄር ብሄረሰባት ህዝብታትን ብዝገበርዎ ዕውት ቃልሲ ፌዴራላዊ ዴሞክራሲያዊ መንግስቲ ተጣይሹ: ብማዕርነትን ሓድነትን ዝነብሩላ ሃገር መስሪትና ኢሎም::

ንሶም እቲ ሕገመንግስቲ መሰል ዓርሰ ውሳነ ዝሃበ ሃገር ድማ ብሓባር ዘማሓድርዋ ስርዓት ብነፃነት ዝሃበ እዩ ድሕሪ ምባል ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋዕ: ኣብ ሕገ መንግስቲ ዝተረጋገፁ መሰላት ኣብ ኣደባባይ ብስፍሓት ይጠሓሱ ከምዘለዉ ተንቀሳቒስኻ ንምስራሕን ሃብቲ ንምፍራይ ዘይካኣለሉ ኩነታት ተፈጥሩ ኣሎ ኢሎም:: ዶክተር ደብረፅዩን ወሲኾም ኣብዛ ሃገር ዝተፈጠሩ ፀገማት ብኸምዚ ዘለዎ ኩነታት እንተቐፂሉ ዝኸፍአ ምጥፍፋእ ከይፍጠር ናይ ኩሉ ዜጋ ስግኣት እናሓየለ መፂኡ ኢሎም ።

" እዛ ሃገር ስርዓት ኣልቦነት ነጊስዋ መንግስቲ ዘይብላ ሃገር ክሳብ ትመስል ዜጋታት ብመንነቶም ምኽንያት መንቀሳቐሲ ሲኢኖም ኣብ ዘለናሉ እውን ኢዶም ናብ ፌዴራላዊ ስርዓት ዘወጣውጡ ኣይጠፍኡን:: ጎንፅታት ብሄር ምብርኻቶም ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ብመንነቶም መጥቃዕቲ ክበፅሖም ምኽኣሉ: ብተወሳኺ ድማ ኣብ ልዕሊ ህይወት ዜጋታት ስጋኣት ምውሳኹ ብፌዴራላዊ ስርዓት ብምምራሕና ዘይኮነስ ሕጊ ምኽባር ብዘይምኽኣልና እዩ::"

ፌዴራላዊ ስርዓት ኣሉታዊን ኣወንታዊ ምስሊ ከምዘለዎ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን: ኮይኑ ግና እቲ ኣወንታዊ ብምሕያል ኣሉታዊ ድማ መስተኻኸሊ ስጉምቲ ብምውሳድ ሕብረ ብሄራዊ ፌዴራልዝም ክቕፅል ምግባር ኣማራፂ ዘይብሉ እዩ ኢሎም::

እቲ ሕገ መንግስቲ ብሕገ መንግስታዊ መንገዲ ተኸቲልካ ምምሕያሽ ይከኣል: ይገባእ እውን ክብሉ ተዛሪቦም::

" ውሽጣዊ ኩነታትና እንትረአ ካብ ሓፈሻዊ ፀገማትና እናዛየደ መፂኡ ኣሎ:: ሕገ መንግስቲ ብግልፂ ዝጠሓሰሉ ልዕልነት ሕጊ ዘይኽበረሉ ናይ ኩሉ መሰረት ዝኾነ ሰላም ድማ ዝተዘረገሉ እዋን ንርከብ:: ታሪኻዊ ኣብ ነዊሕ እዋን ዝተሃነፁ ህዝባዊ ክብርታትና እናሃሰሱ መፂኦም:: ብሓፂሩ ሃገርና ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ፈታኒ ሓደገኛን ዘፍርሕ ኩነታት ትርከብ::" ክብሉ ዶክተር ደብረፅዮን ገሊፆም::

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ዝኾኑ ዶክተር መንበረ ፀሃይ ታደሰ ሕገ መንግስትን፡ ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘቕረብዎ መፅናዕታዊ ፅሑፍ፡ ንሕገ መንግስቲ ንምድሓን ንዕላማታት እቲ ሕገመንግስትን ምርዳእ የድሊ ኢሎም:: ሕገ መንግስቲ ኢትዩጵያ ናይ ሰላም ሰነድን፡ ብሄር ብሄረስባት ምዕሩይ መስል ክህልዎም ብምግባር፡ ነቲ ጠንቂ ጎንፂ ዝነበረ ፀገም ዝፈትሐ እዩ ኢሎም::

ኣብቲ መድረኽ ዝቐረቡ ፅሑፋት ዘተ ይካየደሎም ዘሎ ኮይኑ ፅባሕ እውን እቲ መድረክ ብምቕፃል ኣብ ልዕልነት ሕግን መረፃ 2012 ጽሑፋት ክቐርቡ እዮም::

ኣብቲ ሃገራዊ መድረኽ ውድባት ዓረና ትግራይን ሳልሳይ ወያነ ትግራይን ከም ውድብ ዘይተዓደሙ ምኻኖም እዚ ድማ ትኽክል ዘይምኻኑ ገሊፆም:: ገለ ኣባላት ሳልሳይ ወያነ ግና ብውልቀ ከምዝተዓደሙ ተዛሪቦም::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::



Recommended

XS
SM
MD
LG