ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብዝደገሰ ግጭት ሶርያ ብውሑዱ 1,000 ሰባት ሞይቶም


ኣብ መንጎ ደገፍቲ ፕረዚደንት ነበር በሽር ኣል-አሳድን ሓድሽ ምምሕዳርን ሶርያ ድሕሪ ዝተወልዐ ግጭት
ኣብ መንጎ ደገፍቲ ፕረዚደንት ነበር በሽር ኣል-አሳድን ሓድሽ ምምሕዳርን ሶርያ ድሕሪ ዝተወልዐ ግጭት

ደገፍቲ ካብ መዝነቱ ዝተባረረ መራሒ ፕረዚደንት ነበር በሽር ኣል-አሳድ ሓለዋ የካይዱ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሓይልታት ፀጥታ ዝፈፀምዎ ሃንደበታዊ መጥቓዕቲ ናብ ግጭት ዓሪጉ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ መዓልታት ልዕሊ 1,000 ሰባት ከም ዝቐተሉ ተፈሊጡ።

ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ ኣሳድ ብዝተወሰደ ፀረ መጥቃዕቲ ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ዕግርግር ከም ዝተፈጠረ እውን ተሓቢሩ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ዝቐፀለ ህውከት ብምኹናን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ከተማ ደማስቆ ትማሊ ሰንበት ተቓውሞ ኣኻይዶም።

ሰልፈኛታት ኣብ ግጭት ላታኪያ፡ ታርቱስ፡ ጃብለ ከምኡ እውን ኣብ ገማግም ማያት ዝርከባ ከተማታትን ቍሸታትን ናይ ዝተቐተሉ ስእልታት ብምሓዝ ድምፆም ኣስሚዖም ኣለዉ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG