ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ፌደራል መንግስቲ ምስ ሓይልታት ወፃኢ ብምኳን ውዲት ብምፍሓስ ሰላም ክልል ትግራይ ንምህዋክ ይሰርሕ ኣሎ' ዶ/ር ደብረጽየን ገ/ሚካኤል


TPLF 45 Anniversary
TPLF 45 Anniversary

" ፌደራል መንግስቲ ምስ ሓይልታት ወፃኢ ብምኳን ውዲት ብምፍሓስ ሰላም ክልል ትግራይ ንምህዋክ ይሰርሕ ኣሎ" ክብሉ ኣቦ መንበር ህወሓትን ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ተዛሪቦም::

ዶክተር ደብረፅዮን እዚ ዝበሉ ምስረታ ህወሓት መበል 45 ዓመት 11 ለካቲት ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተኸበረሉ እዋን እዩ::

ኣብዚ ሐዚ እዋን ብማዕርነት ዝተመስረተ ሓድነት ክህሉ ይግባእ እተዘይኮይኑ ግና ህዝቢ ክልል ትግራይ ተቓሊሱ ዘምፀኦ መሰሉ ኣብ ኢዱ እዩ ዘሎ ኢሎም::

እዚ ክሲ ፌደራል መንግስቲ አይተቐበሎን:: መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰላም ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝሰርሕ እምበር ንሰላም ክልል ትግራይ ይዘርግ እዩ ዝተባህለ መሰረት ዘይብሉ እዩ ኢሉ::

ኣብዚ ፍሉይ ፀብፃብ እዚ ሪኢቶታት ነበርቲ ከተማ መቐለ ንብዓል 11 ለካቲት እውን ሂቦም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


Recommended

XS
SM
MD
LG