መቐለ —
ጉባኤ ሃይማኖታዊ ትካላት ኢትዮጵያን ሽማግለ ዓድታትን ኣብ ጉዳይ ሰላም ጠሚቱ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ላዕለዎት መራሕቲ ክልል ትግራይ ዘተ ኣካይዶም::
ኣብቲ ዘተ ኣመራርሓ መንግስቲ ክልል ትግራይ ንናይ ሰላም ዘተ ድልዋት ምኻኖም ኣረጋጊፆምልና ክብሉ ተወካሊ እቶም ሽማግለ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ተዛሪቦም::
መንግስቲ እቲ ክልል ብወገኑ ዘሎ ፀገም ሃገራዊ ብምኻኑ ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ ኩሉ ክፋል'ዛ ሃገር ዝሳተፈሉ መድረኽ ምድላው የድሊ ኢሉ::