ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ትግራይ ከካይድዎ ዝቐነዩ ዑደት ዛዚሞም


ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል
ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል

ኤርትራውያን ነጋዶ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ትግራይ ምትእስሳር ንግዲ ይፈጥሩ ኣለዉ ክብሉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሓቢሮም።

እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ክልል ብምዃን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢ ዘካየድዎ ዑደት ብምዝዛም ኣብቲ ዑደት ዝጠመተ መግለፂ ሂቦም ኣለዉ።

ብምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ኩለን ዞባታት ዑደት ብምክያድ ምስ ተወከልቲ ህዝቢ ዘተ ኣካይዱ እዩ።

ዶክተር ደብረፅዮን እቲ ዑደት ህዝቢ ክሳብ ወርሒ ሰነ እዚ ዓመት’ዚ ክፍተሐሉ ዝደልዮም ፀገማት ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ንምርዳእ ዝዓለመ እዩ ኢሎም ።

ንሶም ኣብ ዝተኻየዱ መድረኻት ሕብረተሰብ ኣብ ሰናይ ምምሕዳርን ልምዓትን ዘለዉ ፀገማትን ሓቢሩልና እዩ ኢሎም ።

እቲ ዑደት ብዞባ ደቡብ ትግራይ ዝጀመረ ኮይኑ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ከተማ መቐለ ብምብጻሕ ተዛዚሙ።

ዶክተር ደብረፅዮን ከምዝገለፅዎ ኣብ ዑደቶም ኣብ ልምዓት ዝተዋፈሩ ውፅኢት ዘመዝገቡ ኣካላት ከምዝርኣዩን ጉዳኣት ኣካል እውን ዝሓሸ ለውጢ የመዝግቡ ምህላዎም ተዓዚብና ኢሎም።

ዑደት ኣብ ዝገበርዎም ትካላት ኤርትራውያን ነጋዶ ምትእስሳር ንግዲ ይፈጥሩ ምህላዎም ከምዝተዓዘቡ ገሊፆም።

እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ምስ ህዝቢ ኣብ ዝተገበረ ዘተ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብዛዕባ ዘሎ ሃገራዊ ኩነታት እውን ምዝታዮም ገሊፆም። ብደረጃ ሃገር ዘሎ ዘይምርግጋእ ናብ ንቡር ንምምላስ መንግስቲ ትግራይ ካብኡ ትፅቢት ዝግበረሉ ከበርክት እዩ ኢሎም። ኣብ ኢትዮጵያ ተስፋን ስግኣትን አሎ ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን ተስፋ ንክዓዝዝ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Recommended

XS
SM
MD
LG