መቐለ —
ውድብ ዴሞክራሲያዊ ምትሕብባር ትግራይ ኣመራርሓን ኣባላትን እቲ ውድብ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ እናካየዱ እናሃለው ብመንግስታዊ ኣካላት ማእሰርትን መውቃዕትን ኣጋጢምዎም ክብል ኣፍሊጡ::
ፖሊስ እታ ከተማ ብወገኑ ዝተወቕዐ ይኹን ዝተኣሰረ ሰብ የለን: ካብ ሕብረተሰብ ብዝተውሃበ ጥቆማ ግና መንነት እቶም ኣካላት ንምሕታት ናብ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ብምውሳድ ሓቲትና ሰዲድናዮም ኢሉ::