ኣብ ክልል ትግራይ ንምክልኻል ቫይረስ ኮረና ተባሂሉ ብኣዋጅ ክዕፀዉ ተገይሮም ዝነበሩ ዝተወሰኑ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ክኽፈቱ ኮማንድ ፖስት ምክልኻል እቲ ለበዳ ወሲኑ::
ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ወረዳ እውን ካብ ቦታ ናብ ምንቅስቓስ ዝተፈቐደ ኮይኑ ዝበዝሑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ናብ ስራሕ ክምለሱ ተወሲኑ::
እቲ ውሳነ ካብ ፅባሕ ቀዳም ተግባራዊ ከምዝኸውን ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓቢሮም::
ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ትማሊ ንዝተወሰኑ ማዕኸናት ዜና እቲ ክልል ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ: ኣብቲ ክልል ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ብምእዋጅ እቲ ቫይረስ ዘለዎ ኩነታት ንምዕዛብ ኣኽኢሉ እዩ ኢሎም::
ብዝተኻየደ ዳህሳስን ምርመራን ድማ ኣብ ትግራይ ክሳብ ሕዚ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ዘይምህላዉ ተረዲእና ኢና ኢሎም:: ብመሰረት እዚ ኣብ ትግራይ ንምክልኻል እቲ ቫይረስ ድሕሪ ሐዚ ኣብ ውሽጢ እቲ’ቲ ናይ ምክትታል ስራሕ ተሰሪሑ’ዩ: ካብቲ ክልል ወፃኢ ንዝመፅኡ እዩ እቲ ልዑል ጠመተ ዝግበር ኢሎም:: እቲ ቫይረስ ኣብ ትግራይ ክሳብ ሐዚ ዋላ እተዘይኣተወ ብቐፃሊ ክኣቱ ዝኽእለሉ ልዑል ዕድል እዩ ዘሎሞ ጥንቃቐ ክገብር ይግባእ ኢሎም፡፡
ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝተፈላለዩ ትካላት ንግዲ ምዕፃዎም ስዒቡ ኣብቲ ክልል ናህሪ ዕዳጋ ከጋጥም ከምዝኸኣለ ዶክተር ደብረፅዮን ተዛሪቦም:: ዝተወሰኑ ትካላት ንክኽፈቱ ኮማንድ ፖስት ምክልኻል ኮረና ቫይረስ ምውሳኑ ገሊፆም:: ብመስረት እዚ እንዳቡን፣ እንዳካፌ፣ መመላኽዒ ፀጉሪ ደቂ ተባዕትዮን ኣንስትዮ ክኽፈት ተወሲኑ ኢሎም:: ካልእ ድማ እንዳስዋ ተጠቀምቲ ዓዲጎም ናብ ገዘኦም ክወስዱ ኣልኮላዊ መስተ ዝከፋፍሉ ኣብ መኽዚን ዝሓዝወን ጥራሕ ክሸጡ ከምዝተወሰነ ሓቢሮም:: ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምጓዓዝ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ወረዳ ክንቀሳቀሱ ከምዝተወሰነ ዶ/ር ደብረፅዮን ኣፍሊጦም፡፡ እዚ ብፍላይ ቐፃሊ ክራማት ንዝካየድ ስራሕ ሕርሻ ንምቅልጣፍ ተሓሲቡ እዩ ኢሎም:: ዝበዝሑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብዘይካ ፀገም ጥዕና ዘለዎም ናብ ስሩዕ ስራሕ ክምለሱ ተወሲኑ እዩ:: እቶም ዝተፈቀደሎም ኣገልግሎት ወሃብቲ መከላኸሊ ኮሮና ቫይረስ ክጥቀሙን ኣካላዊ ምርሕሓቕ ብዘለዎ ኣገልግሎት ክህቡ ከምዘለዎም ድማ ዶ/ር ደብረፅዮን ኣተሓሳሲቦም:: እቶም ምምሕያሽ ዝተገበረሎም ውሳነታት ካብ ፅባሕ ቀዳም ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ኢሎም::