ባህርዳር —
ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ውጥረት ሕጂ ቀጺሉ ከምዝርከብ ብወገን ኢትዮጵያ ዝርከቡ ነበርትን ከባቢያዊ ኣመሓደርትን ይገልጹ`ለዉ። ሰራዊት ሱዳን ሕጂ`ውን ኣብቲ ከባቢ ከምዝርከብን ገዛውቲ ከምዘቃጽልን ንንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም ኣለዉ።
ንሶም ብተወሳኺ ኣብ ሕርሻታቶም ክራማት ዝጠልቦ ስራሓት ሕርሻ ከይነካይድ ድማ ሰራዊት ሱዳን ጸገም ይፈጥረልና`ሎ`ውን ይብሉ።
ነቲ ኣብ ዶብ ሱዳን ዘሎ ውጥረት ክልቲአን ሃገራት ሓንቲ ነታ ሓንቲ ተሓተቲ ክገብራ ጸኒሐን`የን። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ፡ ንወራር ሱዳን ዘይምኹናኑ ዘሕዝን`ዩ ክብል ለንቅነ ንወከልቲ ሕብረት ኤውሮጳ ምሕባሩ ይጥቅስ።