መቐለ —
ኣብ ክልል ትግራይ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ንምፍፃም ኣብ ዝገብርዎ ፃዕሪ ብተደጋጋሚ ብመንግስታዊ ኣካላት ፀገማት የጋጥመና እዩ ክብሉ ውድባት ዓረና ትግራይን ዴሞክራሲያዊ ምትሕብባር ትግራይን ሓቢሮም::
ኣቦ መንበርን ሓላፊ ርክብ ህዝብን ዓረና ድማ ብቕድሚ ትማሊ ተኣሲሮም ምንባሮ ገሊፆም::
ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ ብወገኑ ኣካላት ፀጥታ እቲ ክልል ንኩሉ ብፍትሓውነት ዘገልግል እዩ ኢሎም::
"ብቕድሚ ትማሊ ምንቅስቓስ ኣመራርሓ ዝጠርጠሮም ሰባት ንኣካላት ፀጥታ ጥቆማ ሂቦም ፖሊስ ድማ ናብ መዕረፊ ወሲዱ ዘድሊ ሕቶ ሓቲቱዎም ሽዑ ድማ ኣፋንይዎም" ኢሉ::