ዋሽንግተን —
ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኮይነን ዝተመዘዛ ሊንዳ ቶማስ ግሪን ፊልድ "ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ኣዝዩ ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ ምብፅሑን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኩነታት ብዕሙቀት ተመልኪቱ ምላሽ ክህበሉ ይግባእ " ኢለን ።
ንሰን ነዚ ዝበላ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ገይሮም ድሕሪ ምሕፃዮም ሹመተን ንምፅዳቅ ኣብ ዝተሰየመ ሰኔት ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ ዝቀረቡለን ሕቶታት ኣብ ዝመለሰሉ እዋን'ዩ ።