ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ አዲስ አበባን ከባቢኣን ንዝተፈጸሙ ተግባራት ሓሙሽተ ውድባት ፖለቲካ ኦሮሞ ኮኒኖም


ኣብ አዲስ አበባን ከባቢኣን ሎሚ ቅነ ዝተፈጸሙ ተግባራት ኣብ ልዕሊ ህልውና ህዝቢ ኦሮሞ ዝተፈተኑ መጥቓዕትታት’ዮም ክብሉ ሓሙሽተ ውድባት ፖለቲካ ኦሮሞ ብሓባር ኮኒኖም። ፈጸምቲ’ውን ናብ ፍርዲ ክቀርቡ ሓቲቶም።

ብካልእ ወገን እዚ ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ካብ ስምዒት ወጺእኻ ኣስተውዒልካ ምንቅስቃስ ዝሓትት’ዩ ክብሉ ክልተ ቀንዲ መራሕቲ ተቓዋሚ ፓርቲ ገሊጾም። ገለ ናይ ምንቅስቃስ ነገራት እንተሎ’ኳ ቀልጢፍካ ምላሽ ምሃብ ኣየድልን ክንብል ንኣባላትናን ደገፍትናን መምርሒ ሂብና ኣለና ክብሉ ኣቦ መንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ገሊጾም። ወሃቢ ቃል ግንቦት 7 እውን ብተመሳሳሊ መጸዋዕታ ኣቅሪቦም ኣለው።

ሎሚ ረፋዲ ኣብ አዲስ አበባ ሓሙሽተ ውድባት ፖለቲካ ናይ ኦሮሞ ግንባር ነጻነት፡ናይ ኦሮሞ ፈደራላዊ ኮንግረስ፡ ዝተሓባበሩ ግንባር ነጻነት ኦሮሞ፡ ግንባር ሓድነት ኦሮሞ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ካብ መጀመርያ ወርሒ መስከረም ንነጀው አብ አዲስ አበባን ከባቢኣን ዝተፈጸሙ ተግባራት ገበን ኣውጊዞም። ኣብ ካልኦት ጉዳያት’ውን ሰፊሕ መብርሂ ሂቦም ኣለው። ኣብ ገለ ገለ ጉዳያት’ውን ሓባራዊ መርገጺኦም ገሊጾም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Recommended

XS
SM
MD
LG