ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ትግራይ ዝኾኑ ተማሃሮ ዝበጽሕ መጥቓዕቲ ንምኹናን ኣብ ከተማ መቐለ ዝተጸወዐ ሰልፊ ምብታኑ ተገሊጹ


"ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዝበፅሕ መጥቃዕቲ ንምኹናን" ብዝብል ኣብ ከተማ መቐለ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ዝተፀወዐ ሰልፊ ብሓይልታት ፀጥታ ተበቲኑ::

ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣብዚ ጉዳይ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ እቲ ሰልፊ ብምምሕዳር እታ ከተማ ኣፍልጦ ዘይተውሃቦ እዩ ኢሉ::

ሰብ ሕድሪ ዝተባህለ ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐስ ሲቪል ሶሳይቲ ዘተሓባበሮ ቀዳም 8 ጥቅምቲ 2012 ኣብ ከተማ መቐለ ክካየድ ተመዲቡ ዝነብረ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዝበፅሕ መጥቃዕቲ ደው ክብልን መንግስቲ ድማ ተማሃሮ ውሕስንኡ ኣብ ዝተሓለወ ቦታ ንክመሃሩ ክገብር ንምጽዋዕን ንምትሕስሳብ ዝዓለመ’ዩ ኔሩ።

ነቲ ሰልፊ ካብ ዘተሓባብሩ ሓደ ኣይተ መሓሪ ዮሃንስ ነቲ ሰልፊ ንምክያድ ምምሕዳር እታ ከተማ ንክተሓባበርን ንክፈልጦን ሰሉስ 4 ጥቅምቲ 2012 ብደብዳበ ኣፍሊጥና ኢና ኢሎም። ንሶም ወሲኾም እንተኾነ ግን ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ንጉሆ ኣብ መቐለ ኣደባባይ ሮማናት ሰለማዊ ሰልፊ ንምክያድ ተሳተፍቲ ኣብ ዝኸድሉ ሓይልታት ፀጥታ ክብተን ገይሮም ክብሉ ተዛሪቦም::

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ከተማ መቐለ ኣይተ ዘመንፍስቅዱስ ፍሰሃ እቲ ዝተፀወዐ ስልፊ ምምሕዳሮም ከምዘይፈልጦ ሓቢሮም::

በተመሳሳሊ ኣብታ ከተማ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሕ ፆታዊ መጥቃዕቲ ንምኹናን ንትማሊ ሰንበት ተፀዊዑ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ሕጋዊ ማህተም ብዘለዎ ደብዳበ ሕቶ ኣይቀረበን ብዝብል ከምዝተኸልከለ ይዝከር::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


Recommended

XS
SM
MD
LG