ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አኻታዒ ጉዳይ ብቀ/እመቤት መሰረት ዝተነብረሉ ቤት ትምህርቲ ሸረ እንዳስላሴን ግብረመልሲ ምምሕዳር'ታ ከተማ


ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ብ20 ሚልዮን ብር ብቀዳመይቲ እመቤት ወ/ሮ ዝናሽ ታያቸው ክህነፅ እምነ መሰረት ዝተነብረሉ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ብዛዕባ ህንፀቱ መዘራረቢ ኮይኑ ኣሎ:: ምስቲ ቤት ትምህርቲ መሰረት ዝተነብረሎም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት’ታ ሃገር ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ ካልኣይ ብርኪ ህንፀቶም ተዛዚሙ ተማሃሮ ምቕባል ምጅማሮም ምንጭታት ንድምፂ ኣሜሪካ ተዛሪቦም::

እቲ ናይ ሽረ እንዳስላሰ ቤት ትምህርቲ መንግስቲ ክልል ትግራይ ጠመተ ንክገብረሉ እውን ደብዳቤ ከምዝተፅሓፈ ገሊፆም:: ምምሕዳር እቲ ከተማ ብወገኑ ዝባኸነ ገንዘብ የለን ፀለመ’ዩ ክብል ምላሽ ሂቡ’ሎ:: ህንፀት እቲ ቤት ትምህርቲ ድማ ኣብ መስርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ:: ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ኣዋርሕ ተዛዚሙ ናብ ስራሕ ክኣቱ እዩ ክብል ኣፍሊጡ::

ብቀዳመይቲ እመቤት ወ/ሮ ዝናሽ ታያቸው ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ይህነፁ ካብዘለዉ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ብ20 ሚሊየን ብር ወፃኢ ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥሪ እዩ ነይሩ እምነ መሰረት ምስተነበረ ህንፀት እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ከምዝዛዘም ኣብቲ እዋን ተገሊፁ ነይሩ:: ህንፀት እቲ ቤት ትምህርቲ ጠሚቱ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያን ማዕኸናት ዜናን መዘራረቢ ኮይኑ ኣሎ::

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ብልፅግና ፓርቲ ክልል ትግራይ ኣይተ ነብዩ ስሑልሚኪኤል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ገፆም ትማሊ ወይዘሮ ዝናሽ ታያቸው ዘበርከትኦ 20 ሚልዮን ብር ተበሊዑ ጠፊኡ እዩ ምባሎም ይፍለጥ:: ብዛዕባ እቲ ጉዳዩ ህዝቢ ይሓትት ኣሎ ዝበሉ ኣይተ ነብዩ: እቲ ገንዘብ ንመንግስቲ እቲ ክልል ኣታዊ ተገይሩ እዩ: ኮይኑ ግና ክሳብ ሐዚ እተን ቀዳመይቲ እመቤት ካብ ዘንበርኦ እምነ መሰረት ወፃኢ ካሊእ ነገር ከይተሰርሐ እቲ በጀት እውን ኣበይ ከምዝኣትወ ከይተፈለጠ ተሪፋ ክብሉ ከሲሶም:: ኣብቲ ጉዳይ ጠሚቱ ንምክትል ከንቲባ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ኣይተ ዝናቡ ደስታ ሓቲትና ህንፀት እቲ ቤት ትምህርቲ ዘደናጎየ ንሓረስቶት ዝወሃብ ካሕሳ እዩ ልዕሊ ዓቕሚ እቲ ፕሮጀክት ብምኻኑ እዩ ኢሎም:: ፈለማ እምነ መሰረት ኣብ ዝተነበረሉ ቦታ ንሓረስቶት ዝኽፈል ካሕሳ ልዕሊ ግምትናን ዓቕምን ብምኻኑ ኣብቲ ከባቢ ካሊእ ቕያር ቦታ ተረኺቡ ካሕሳ ብምሃብ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ድማ ህንፀቱ ተጀሚሩ ክብሉ ተዛሪቦም:: ህንፀት እቲ ቤት ትምህርቲ ክሳብ ሐዚ ዘይተፈፀመ እቲ ገንዘብ ስለዝባኸነ እዩ ዝብል ክሲ ምላሽ እንትህቡ: እቲ ገንዘብ ኣብ ባንኪ እዩ ዘሎ ህንፀት ካብ ዝጅመር ንደሓር ድማ ኣብ ስራሕ ይውዕል ኣሎ ኢሎም:: ዝባኸነ ገንዘብ የለን እዚ ፀለመ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም::ህንፀት እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝቕፅሉ 8 አዋርሕ ክዛዘም ምኻኑ ድማ ሓቢሮም::

ምንጭታት ቤት ፅሕፈት ቀዳመይቲ እመቤት ንድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ከምዝገለፅዎ: እቲ ቤት ትምህርቲ ክህነፅ ምስ መንግስቲ ክልል ትግራይ ናይ ስምምዕ ሰነድ ዝተፈረመ 22 መስከረም 2011 እዩ ነይሩ:: መስከረም 24, 2011 ድማ ንህንፀት እቲ ቤት ትምህርቲ ዝኸውን 20 ሚሊዩን ብር ናብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን እቲ ክልል ኣታዊ ገይርና ኢሎም:: ብተመሳሳሊ እቲ ገንዘብ ዝተለቐቐሎም ኣብ ጎንደር ሎዛ ማሪያም : ምዕራብ ጉጂ : ደሴ ጦሳ ፈላናን ደብረዘይት ኣብያተ ትምህርቲ ህንፀት ተዛዚሙ ተማሃሮ ምቕባል ከምዝጀመሩ ኣመላኺቶም:: እቲ ናይ ሽረ ግን ብዝተፈለየ ኣብዚ ሓደ ዓመት: ብዛዕባ ብርኪ እቲ ህንፀት ዝገልፅ ሪፖርት እውን ኣይመፅአናን ክብሉ ኣረዲኦም:: ብምኽንያት እዚ ድማ 4 ጥሪ 2012 ናብ መንግስቲ ክልል ትግራይ ህንፀት እቲ ቤት ትምህርቲ ጠመተ ንክገብረሉ ደብዳቤ ፅሒፍና ኢሎም:: ጠመተ ዘይወሃቦ እተኾይኑ እቲ ፕሮጀክቱ ኦዲት ተገይሩ እቲ ገንዘብ ክምለስ ዝሓትት እዩ:: በቲ ገንዘብ ድማ እቲ ቤትፅሕፈት ባዕሉ ኣብ ሽረ እንዳስላሴ ቤት ትምህርቲ ክሃንፆ ዝሓትት ደብዳበ ምኻኑ ኣፍሊጦም::

ምሉእ ት ሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::



Recommended

XS
SM
MD
LG