ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አካይዲ ስራሕ ቴሌቭዥን ትግራይ ካብ መዝነቶም ዝወረድሉ መስርሕ ቅኑዕ ኣይኮነ ክብሉ ነበርቲን ምሁራትን ነቒፎም


ኣካያዲ ስራሕ ቴሌቭዥን ትግራይ ኣይተ ብርሃኑ አባዲ ካብ መዝነት ንምውራድ ዝተኻየደ መስርሕ ሕጊ ዝጠሓሰ ኣካይዳ ክብሉ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ምሁራንና ገለ ነበርቲ ከተማ መቐለ ገሊጾም።

እቶም ወሃብቲ ሪኢቶ ኣብ ጉዕዞ ናይ ለውጢ እዩ እንዳተበሃለ ሐዚ እውን ውድብን መንግስትን ሓደ ገይርካ ምውሳድ ትኽክል ኣይኮነን ኢሎም።

እቶም ኣካያዲ ስራሕ ብውሳነ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ህወሓት ክልዓሉ ተገይሩ ክብል ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ዘውፀኦ መግለፂ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ መዘራረቢ ኮይኑ ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


Recommended

XS
SM
MD
LG