ኮሎኔል ዘነቡ ኣሰመሀኝ ብዝተባህላ ውልቀ ሰብ ሓሳብ ተበጊሱ ዝተፈላለዩ ናይ ውሽጢ ዓዲ ሰብ ሃብትን ትካላትን ሓገዝ ዝተሃንጸ “በሪ ማይዳ’’ ዝተባህለ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሆስቴልን ማእኸል ትምህርትን ተመሪቑ::
ኮሎኔል ዘነቡ ከምዝገለፅኦ: 22 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ዝተገበረሉ እዚ ማእኸል መደቀሲ ክፍሊታት ተማሃሮ፣ መምሃራንን ካልኦት ኣገልግሎት ዝወሃብሉ 40 ክፍልታት ዝሓዘ በዓል ሓደ ደብሪ ህንፃ እዩ ተሰሪሑ ኢለን:: ናብቲ ማእኸል ዝኣትዋ ደቂ ኣንስትዮ ሓጋዚ ስድራ ዘይብለን: ትሑት ኣታዊ ዘለወን: ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ንምርካብ ድማ ካብ መንበሪ ገዘአን ርሑቕ መንገዲ ዝጉዓዛ ብትምህርተን ድማ ዝበለፃ ተማሃሮ እየን ተወዳዲረን ከምዝኣትዋ አረዲኣን::
ኮሎኔል ዘነቡ እቲ ማእኸል ኣብ ወረዳ ሰሓርቲ ሳምረ ክህነፅ ዝተመረፀ ኣብቲ ከባቢ ልዑል መጠን ድኽነት ብምህላዉ እዩ ኢለን።
ኣብቲ ማእኸል ካብ ዝመሃራ ተማሃሪት 12 ክፍሊ ሓንቲ ሰላማዊት ብርሃነ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ንምርካብ ካብ ገዝኣ ንሰለስተ ሰዓታት ዝኣክል ጉዕዞ ትጉዓዝ ከምዝነበረት ዝገለፀት ኮይና እቲ ማእኸል ብዝፈጠረላ ዕድል ግና ኣብ ምቹእ ኩነታት ትምህርታ ትከታተል ከምዘላ ትዛረብ::
ኣብቲ ማእኸል ውላዶም ትመሃር ከምዘላ ዝገለፁ ኣቦ፡ ኣይተ ገብሩ ሓድጋይ ውላዶም ከምህሩ ዓቕሚ ስለዝሓፀሮም ትምህርታ ከተቋርጽ ሓሲቦም ምንባሮም ድሕሪ ምግላፅ እቲ ማእኸል ግና ዕድል ፈጢሩላ ብግቡእ ትምህርታ ትከታተል ኣላ ኢሎም::
ነቲ ማእኸል መሪቖም ዝኸፈቱ ምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል "መሪቕና ንኸፍቶ ዘለና ህንፃ ዘይኮነስ ንዓዲ ዝጠቅም ዓብዪ ሓሳብ እዩ" ኢሎም:: ናይ ህዝቢ ፀገማት ድማ ብናይ መንግስቲ ዓቕሚ ጥራሕ ዝፍታሕ ኣይኮነን እሞ ከምዚ ዓይነት ብዓቕሚ ውሽጢ ዓዲ ትካላት ዝስራሕ ኣብ ምቅላል ፀገማት ልዑል ግደ ኣለዎ ኢሎም::
“በሪ ማይዳ’’ ኣብ ትግራይ ፈላማይ ፅጉማት ደቂ ኣንስትዮ ዝመሃራሉ ማእኸል ኾይኑ ኣብዚ ሐዚ እዋን 160 ደቂ ኣንስትዮ ተቐቢሉ ካብ 9ይ ክሳብ 12 ክፍሊ የምህር ኣሎ::