ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርእይቶ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ጉዳይ ኣብ ኢትዮጵያ ብብልሽውናን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተው ሰበ ስልጣን


ኣብ ቀረባ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብገበን ብልሽውናን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ጠርጢረዮም ዝበሎም ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ’ሎ።

ኣብዚ ጉዳይ ጠሚቱ መግለፂ ዘውፀአ መንግስቲ ትግራይ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንልዕልነት ሕጊ ከምዝሰርሕ ገሊፁ። ብተወሳኺ እውን ኣብዛ ሃገር ብብልሽውናን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ብዝብል ይካየድ ዘሎ ወፍሪ ሓደ ብሄር መሰረት ዝገበረ ከይኸውን ክንቃለስ ኢና ክብል ገለፁ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ፖለቲካል ሳይንስን ስትራቴጂካዊ መፅናዕትን ኣይተ ሰይፈ ሃይሉ እቲ ይወስድ ዘሎ ስጉምቲ ካብ ምኽባር ልዕልነት ሕጊ ፖለቲካዊ መልክዕ ዝሓዘ ሊህቃን ተጋሩ ንምጥፋእ ዝዓለመ እዩ ኢሎም።

ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ተቓዋሚ ውድብ ዓረና ንልኡላውነትን ዴሞክራስን ኣይተ ዓምዶም ገብረስላሴ ብወገኖም እቲ ይውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ብሄር መሰረት ዝገበረ እዩ ኢልካ ንምዝራብ ዘድፍር ኣይኮነን ኢሎም።

ሰብ ሕድሪ ሲቪል ማሕበረሰብ ብወገኑ ኣብ መፅናዕቲ ዝተመስረተን ሚዛናዊ ተሓታትነት ሕጊ ክህሉ ከምዝግባእ ይኣምን እየ ብምባል ኮይኑ ግና ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብዛ ሃገር ብሽፋን ልዕልነት ሕጊ ተጋሩ ናይ ምድኻም ስራሕ እዩ ኢሉ ከምዝኣምን ገሊፁ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


Recommended

XS
SM
MD
LG